ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ክሳብ 5 ሚእታዊት ዝበጽሕ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዝተመዝግብ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ኣፍሊጡ


ኤርትራ ካብ`ዚ ዓመት``ዚ ጀሚራ ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ 4 - 5 ሚእታዊት ዝበጽሕ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዝተመዝግብ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መዳያት ጸዓት፡ ሕርሻን ማይን ዝበሉ መሰረተ-ልምዓታት ወፍሪ ብምግባር ዝፍለጥ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን: ኤርትራ ብፍላይ ካብ ማዕድናት እትረኽቦ ዘላ አታዊታት ኣብ ግምት ዘእተወ ወፍሪ ክገብር ከምዝደለየ ሓቢሩ።

ላዕላዋይ ምኽትል ፕረዚደንት ኮርፐረሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ዶ/ር ኤኒ ኡሩዋ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፡ ትካሉ፡ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምግባር፡ ነታ ሃገር መበል 24 ኣባሉ ጌሩ ተቐቢልዋ`ሎ።

ኤርትራ፡ ኣብ ማዕድናት ዝተመርኮሰ ቀጻልነት ዘለዎ ዕብየት ተርኢ ስለዘላን፡ ኣብ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዝጠመተ ትሕቲ ቅርጽታት ተበራብር ሰለዘላን፡ ኣብ`ቲ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከባቢ ዳናኪል ዝካየድ ዘሎ ናይ ኩሉሊ ዕደና ፖታሽ፡ ወፍሪ ክንገብር መሪጽና ክብል እቲ በዓል ስልጣን ኣፍሪካ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ ።

ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ብ5 ቢልየን ዶላር ወጻኢ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሕታዊ መሰረተ-ልምዓታት ኣብ ምብርባር ዝነጥፍ ትካል`ዩ።

XS
SM
MD
LG