ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ኣብ ኤርትራ ዘውፍሮ ዕድላት ኢንቨትመንት ሰራሕ ኣብ ምፍጣር ጽልዋ ክህልዎ ተስፋ ይገብር


ምኽትል ፕረዚደንት ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ኤኒ ኡሩዋ

ኤርትራ ክሳብ 5 ሚእታዊት ዝበጽሕ ቁጠባዊ ዕብየት ከምእተመዝግብ ዝገለጸ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ንኤርትራ መበል 24 ኣባል ሃገር ጌሩ ከምዝተቐበላ ኣፍሊጡ `ሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት መሰረተ-ልምዓታት፡ ወፍሪ ብምግባር ዝፍለጥ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን (AFC) : ንኤርትራ መበል 24 ኣባል ሃገር ጌሩ ድሕሪ ምቕባል፡ ብፍላይ ኣብ ማዕድን ፖታሽ ዳናኪል፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣውፊሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

“ኤርትራ ሰፊሕ ሃብቲ ማዕድን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ሓደ ኻብኦም ድማ ኣብ ዳናኪል ዝካየድ ዘሎ ናይ ፖታሽ ዕደና`ዩ- እዚ ማዕድን`ዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘ ዓይነት ፖታሽ ስለዝኾነ ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ዘለዎ ዓለማዊ ጠለብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣባና ክትከውን ሓቲትና ኤርትራ ድማ ተቐቢላቶ።”

ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ ወፍሪ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ጉድለት መሓውራት ዲሞክራሲ ትኹረት ከምዘይገብረሉ ዝገልጽ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ኣብታ ሃገር ዘካይዶ ድጋፍ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺ፡ ንመንእሰያት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ናቱ ዝኾነ ጽልዋ ከምዝህልዎ ኣፍሊጡ።

ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ኤኒ ኡሩዋ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG