ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጺ ዘልዕሉ ወገናት ካብዚ ተግባር ክቑጠቡ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ተላብዮም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት እታ ሃገር ጎንፂ የልዕሉ ኣለው ዝበሉዎም ሓይልታት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ተላቢዮም።

ሚንስተር ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ሕገ መንግስታዊ ግዴትኦም ክፍፅሙ እውን ኣዚዞም።ፌደራል መንግስቲ እውን ሃገር ከምዘረጋግእ ኣረጋጊፆም።

ህዝቢ ንብሩህ ተስፋታት እታ ሃገር ንምጽልማት ንዝደልዩ ሓይልታት ዕድል ከይህብ እውን ፀዊዖም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ምፍጣራ ንለውጢ ሰብኣዊ መሰላት ዕድል ክህባ ይኽእል እዩ ኢሉ።

ምምሕያሽ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ሓሪሙዎ ዝፀንሐ ሰብኣዊ መሰላት ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ፣ብሰላም ናይ ምእካብ፣ናይ ምንቅስቓስን፣ሚዛናዊ ፍርዲ ናይ ምርካብን ክምለሰሉ ዕድል ዝህብ እዩ ይብል።

ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ውሕዳን ኣመንቲ ዝፍፀም ዓፈና ሃይማኖት፣ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ሓዊሱ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ውዓል ሕደር ከብቅዕ ኣምንሰቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእይቶታት ንምርኣይ (3)

እዚ መድረኽ'ዚ ተዓፅዩ'ሎ
XS
SM
MD
LG