ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ዝጣየሰ ማእከል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ሕሙማን ኣእምሮን ኣለይቲ ዘይብሎም ህፃናት ፍሬምናጦስ


ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝጣየሽ ከባቢ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝቑጸረ ማእከል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ሕሙማን ኣእምሮን ኣለይቲ ዘብሎም ህፃናት ፍሬምናጦስ ብኣባ ሳሙኤል ኣስገዶምን ኣባ ገብረመድህን በርሀን ሰናይ ተበግሶ ዝተጣየሸ እዩ፡፡ ማእከል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ሕሙማን አእምሮን ኣላዪ ዘይብሎም ህፃናት ፍሬምናጦስ ክልቲኦም ኣባታት ዝነበሮም ንብረት መፃሕፍቲ ከይተረፈ ሸይጦሙን ኣብውሽጥን ደገን ዝነብሩ ደቆም ወይ ሰዓብቶን ተሓጋጊዞም እዮም ግልጋሎት ክህብ ገይሮሙዎ ዘለዉ፡፡

ከም መረዳእታ መስራትን ዋና አካያዲ ስራሕ’ቲ ማእከል ኣባ ገብረመድህን በርሀ ኣብቲ ማእከል 26 ኣረጋውያን 26 አላይ ዘይብሎም ህፃናት 12 ድማ ሕሙማን ኣእምሮ ብድምር 66 ተሓገዝቲ ከምዘለውዎ ገሊጾም፡፡እቶም ኣረጋውያን ኣብፈቆዶ ፅርግያ ዝነብሩ ዝነበሩ ክኾኑ ከለው እቶም ህፃናት ድማ በብከባቢኡ ተደርብዮም ዝነብሩ ፓሊስ ናብቲ ማእከል ዘምፀኦም ምኳኑ ይገልጹ፡፡ እቶም ሕሙማን ኣእምሮ ድማ ፈቀድኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ምስ ማሕበራዊ ጉዳይ ብምርድዳእ ናብቲ ማእከል ዝመጹ ምዃኖም አባ ገብረመድህን ይሕብሩ ።

መስረቲ'ቲ ማእክል
መስረቲ'ቲ ማእክል

ኣባ ገብረመድህን ብምቕጻል ነዞም ተሓገዝቲ ዘገልግል መስተኸከሊ ፀጉሪ፡መስርሒ ባኒ፡ ሕክምና፡ ላባራቶሪ፡ ፋርማሲ፡ መደቀሲ ሕሙማትን መዛናግዒ ዝከውን ቴለቪዥን ዘለዎ ቦታን ከም ኡ’ውን መልመዲ ሞያን ዝከውን ከም ክዳን ሰፋይት፣ ማእለማን ካልእን ኣሎ ክብሉ ኣባ ገብረመድህን የረድኡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG