ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ክልተ ጋዜጠኛታትን ክልተ ኣብ ስርሓት ትርጉም ዝስርሑ ውልቀሰባትን ምእሳሮም ተሓቢሩ


ንትካል ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብስራሕቲ ትርጉም ዘገልግል ፍጹም ብርሃነ: ዓርቢ ለይቲ፣ ከምኡውን ንፋይናንሻል ታይምስ ዘትርጉም ኣሉላ ኣካሉ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ብወትሃደራት ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩን ንዝተፈላለያ ሚድያታት ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ታምራት የማነን ብሰበ ስልጣን'ቲ ክልል ከምዝተኣሰሩ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ለዉ።

ብዛዕባ ምእሳር እቶም ጋዜጠኛታትን መሳርሕቲ ሪፖርተራትን ካብ ዝምልከቶ ቢሮ ርክብ መንግስቲን ህዝቢን ክልል ትግራይ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG