ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደራ ዝነበራ ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ሞዕጻወን ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ኩለን ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚረን ብመንግስቲ ከምዝተዓጽዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ካብ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን መግለጺ ኣይተዋህበን። ድምጺ ኣሜሪካ ብስልኪ ዝረኸቦም ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ብዛዕባ`ቲ ምዕጻው ዝኾነ ይኹን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

እሙናት ምንጭታት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ ግን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ዝነበራ መብዛሕቲኣን ብደናግል ማሕበራት ዝመሓደራ ኣስታት 20 ትካላት ሕክምና ብኣባላት ፖሊስን ጸጥታን “ኣረክቡና” ብዝብል ከምዝተዓጽዋ ይገልጹ`ለዉ።

ንምንታይ ይዓጽውዎም ከምዘለዉን ፡ ኣብ ገሊኡ`ውን ብጽሑፍ ክውሃቦም ሓቲቶም: ካብ`ቶም ኣካላት መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ምላሽ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም።

ድሕሪ`ዚ ናብ ሚንስተር ጥዕና ወ/ሮ ኣምና ኑርሒሴን ደብዳቤ ዝጸሓፉ ኣርባዕቲኦም ኣቡናት ካቶሊክ ኤርትራ፡ ብሓይሊ ንዝውሰድ ተበግሶ ሳዕቤኑ ኸቢድ ከምዝኾነን፡ ንዘተን ምርድዳእን ግን ድልዋት ምዃኖምን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

በቲ ስጉምቲ ካብ መንጎ ዝተዓጽዋ ኣስታት 20 ትካላት ጥዕና፡ ኣብ ዓሰብ፡ ድግሳ፡ እንገላ፡ ዓዲ-ጀኑ፡ ዛግር፡ ሓመልማሎ፡ ግላስ፡ መገሎ፡ እንገርነ ተጠቀስቲ ከምዝኾናን፡ ነቲ ካብ ርሑቕ ዝመጽእ ህዝቢ ዝህብኦ ዝነበራ ኣገልግሎት መተካእታ ዘይነበሮ ምዃኑን፡ ካብ`ቶም ሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

XS
SM
MD
LG