ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ኢትዮጵያ ፅልእን ዕግርግርን ካብ ዝለዓዕሉ ኣባላት ዳያስፖራ ዝተወሰኑ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ እዮም" ኣምባ. ማይክል ሬይነር


ኣብ ኢትዮጵያ ፅልእን ዕግርግርን ካብ ዝለዓዕሉ ኣባላት ዳያስፖራ ዝተወሰኑ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ እዮም ክብሉ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።

ሎም ቅነ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዝተዛረቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ፅልእን ህውከትን የልዕሉ ኣለው ዝበሉዎም ሓደ ሓደ ኣባላት ዳያስፖራ ናይ ሓቂ ኣምላክ ይፍረደኩም ክብሉ ኣማሪሮም ኔሮም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኢትዮ-ኣሜሪካ ጉባኤ ሓካይም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ትኹረት ዘስሕቱ ምክፍፋልን ጥፍኣትን ዘስዕቡ ንዝበልዎም ድምጺን ሓሳባትን ኢትዮጵያዊያን ጠቂሶም ገለ ካብዞም ድምጺታት ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ዝመጹ’ዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG