ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈላለዩ ሰልፍታትን ምርኢታትን ምክያዶም ተገሊጹ


ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘለዎም ድጋፍን ሓድነትን ዘርእዩ ሰልፍታትን ምርኢታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት'ታ ሃገር ክርኣዩ ውዒሎም።

ኣብ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ብፍላይ ኣብ ከተማ ሃዋሳ: ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ከምኡ'ውን ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ብርክት ዝበላ ከተማታትን ነቲ ሰራዊት ድጋፍ ዝገልጽ ሰልፍታትን መደባትን ምክያዱ ተገሊጹ።

እቲ 'ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው ክብል'የ" ብዝብል ቴማ ዝካየድ ፕሮግራም፥ የማናይ ኢድ ኣብ ኣፍልብኻ ንሓደ ደቂቕ ድሕሪ ምግባር ብጣቕዒትን ጥሩንባ መካይንን ዝፍጸም'ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ አገኘሁ ተሸገር ንልኡላውነት ሃገር ንምኽባር ክሳብ ህይወቱ ንዝኸፍል ሰራዊት ምክልኻል ፍሉይ ክብሪ ይግብኦ'ዩ ኢሉ።

ኣብ ከተማ ደሴ ድማ ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ኣብ ልዕሊ ምግላጽ ደም'ውን ምልጋሶም ካብ ወኪልና ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስታድየም ኣበበ ቢቅላ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዐት ምኽትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኢትዮጵያውያን ኩሉሻዕ ብሓድነት ደው ምስ በሉ'ዮም ኢላ።፡፡

እቲ "ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው እብል" ብዝብል ብደረጃ ሃገር ዝተጸውዐን ንሰራዊት ምክልኻል ዝዝክርን መርሃ ግብሪ ኣብ ዙርያ'ታ ሃገር ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG