ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቱኒዝያ ዝጠሓለት መርከብ ከባብያዊ ሓደጋ ከየተስዕብ ስግኣት ይፈጥር


እታ መርከብ ቕድሚ ምጥሓላ ዝተወስደ
እታ መርከብ ቕድሚ ምጥሓላ ዝተወስደ

ኣስታት 1,000 ቶን ነዳዲ ዝፀዓነት ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ማያት ቱኒዝያ ድሕሪ ምጥላቓ ከባቢያዊ ዕንወት ንምውጋድ ሓገዝ ንምሃብ ሕቶ ምስ ዘቕረባ ሃገራት ከምእትሰርሕ ሚንስትር ምክልኻል እታ ሃገር ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጡ።

እታ መርከብ ካብ ኢኳዋተሪያል ጊኒ ናብ ማልታ ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ብዓርቢ ጠሊቓ።ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዚያ ድሕሪ ናይ ርድኡና ፃውዒት ንሸውዓቲኦም ሰራሕተኛታት እታ መርክብ ኣድሒኑዎም ኣሎ።

እታ መርከብ ካብ 750 ክሳብ 1,000 ቶን ነዳዲ ፅዒና ከምዝነበረት ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ነዳዲ ምፍሳስ ጀሚሩ እንተኾይኑ ንምርማር ፍሉይ ዝኾነ ጉጅለ ሓይሊ ባሕሪ ናብቲ ማይ ኣትዩ ኣሎ።

ሰበስልጣን ቱኒዚያ ምኽኒያት መጥለቒኣ ንምፍላጥ ምርመራ ጀሚሮም ኣለው።ሚንስትር ከባቢያዊ ሓለዋ እታ ሃገር ግን እቲ ምኽኒያት ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG