ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረአ ግጭት ኣብ ዝሰፍሓሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም ከምዘሎ ተገሊጹ


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን 300 ሺሕ ሰባት ክፈናቐሉን 1.7 ሚልዮን ናብ ጥምየት ገጾም ክኸዱን ኣገዲዱ`ሎ ክብል ኣፍሊጡ። በዚ ድማ ናይ ልዕሊ 400 ሚልየን ዶላር ሕጽረት ኣጋጢምዎ ከምዘሎን፡ ኣብዚ ዓመት ን12 ሚልየን ተጸበይቲ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ገንዘብ ከም ዘድልዮን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ተማሕጺኑ`ሎ። ብዘይካ`ዚ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብቲ ብኹናት ዝተሓመሰ ክልል ትግራይ ዘሎ ሕጽረት መግቢ`ውን እናኸፍአ ምኻዱ ቀጺሉ`ሎ ይብል ።

ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታትን ካልእ ጸገማትን ጠጠው ኢለን ከምዝቐነያ ዝገለጸ ወሃቢ ቓል ፕሮግራም መግቢ ዓለም​ ቶምሰን ፊሪ ቶምሰን ፊሪ፡ ገለ መካይን`ውን ብነበርቲ `ቲ ከባቢ ከምዝተጠቕዓን ከምዝተዘርፋን ጠቒሱ`ሎ።

ኣብዚ ወርሒ`ዚ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብቶም ምስ ክልል ትግራይ ዘዋስኑ ከባብታት ህጹጽ ረድኤት ምብጻሕ ጀሚሩ`ሎ። እቲ ትካል ምስ ፈደራልን ክልላውን መንግስታት ብምውህሃድ ኣብ ዓፋር 530 ሺሕ፡ ኣብ ኣምሓራ ድማ 250 ሺሕ ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከብጽሓሎም ይሰርሕ ኣለኹ ይብል ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ውሕስነት መግቢ እናሓመቐ ብምኻዱ ንድልየት 5.2 ሚልየን ተጸበይቲ ንምዕንጋል ምስ መሻርኽተይ ኮይነ እሰርሕ ኣለኹ ይብል ። ክሳብ ትማሊ ንክልተ ሰሙን ዝኸውን መካይን ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይምእታወን ኩሉ ቀረባትና ተጸንቂቑ`ዩ ኔሩ ዝበለ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ሕጂ ግን 3,500 መትሪክ ቶን ዝጸዓና ልዕሊ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ክልል ትግራይ ክኣትዋ ምኽኣለን ኣፍሊጡ`ሎ። እተን ቃፍላይ ብሰላም ክልል ትግራይ ክኣትዋ ፈደራልን ሰበ-ስልጣን ክልል ዓፋርን ዘርኣይዎ ምትሕብባር ድማ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሞጊሱ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወሃቢ ቓል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶምሰን ፊሪ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል​፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ተጸባይ መግቢ ክበጽሖ እንተኾይኑ በብመዓልቱ 100 መካይን ክኣትዋ ኣለወን ኢሉ ።

ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታትን ካልእ ጸገማትን ጠጠው ኢለን ከምዝቐነያ ዝገለጸ ቶምሰን ፊሪ፡ ገለ መካይን`ውን ብነበርቲ `ቲ ከባቢ ከምዝተጠቕዓን ከምዝተዘርፋን ጠቒሱ`ሎ።

ኣቐድም ኣቢለን ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ጽዒነን ዝኸዳ 72 መካይን ኣይተመለሳን ዝብል ጸብጻብ መንግስቲ ግን ምስ መሻርኽቶም ኮይኖም የጻርይዎ ከምዘለዉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊት ኮሚንኬሽን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክሌር ኔቭል ንድምጺ ኣመሪካ ​ ኣፍሊጣ`ላ።

ሚንስተር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፈርያት ከሚል ኣቐድም ኣቢላ፡ እተን ዘይተመለሳ መካይን ኣብ መዓላ ኩናት ከምዘይወዓላ ክረጋገጽ ንደሊ ኢና ኢላ ኔራ`ያ።

ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፎርድ ብዛዕባቲ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምሕላፍ ዝተገብረ ምውህሃድ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ምትሕብባር ክቕጽል ኣለዎ- እንተ ዘይኮነ ግን ሚልዮናት ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ጥምየት ክጥሕሉ`ዮም ኢሉ`ሎ ።

ኣስዒቡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክንበጽሓሎም ንደሊ ዘለና ኣስታት 4 ሚልየን ሰባት ተወሳኺ ባጀት እንተዘይረኺብና ራሽን ክነጉድል ወይ`ውን ክነቋርጽ ክንግደድ ኢና ይብል።

ብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ሃገር፡ ልዕሊ 13.6 ሚልየን ሰባት ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎም ዝገልጽ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ንሱ ድማ ብምኽንያት ዝተናውሐ ደርቂ፡ ውሕጅ፡ ወራር ኣንበጣ በረኻ፡ ዘይምርግጋእ ዕዳጋ፡ ናህሪ ዋጋ፡ ለበዳ ኮቪድ 19- ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ተደሚሩ ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ ይገልጽ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም በዚ ድማ ኣብ ዝቕጽላ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ኪኒኡን ዝኸውን ምላሽ ንምሃብ ተወሳኺ 426 ሚልየን ዶላር የድልየኒ`ሎ ይብል ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG