ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ መንግስቲ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ዝብል ወረ ሓሶት`ዩ’ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ


ቤት-ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ብነፈርቲ ኣጥቂዑ ዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ `ዩ ኢሉ።

“መንግስቲ ናይ ሕጊ ላዕላዋይነት ንምኽባር ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምቕራብ ንህዝቢ ንምድንጋር ፈተነታት ይግበሩ ኣለዉ” ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ዜጋታት፡ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ ዝብልን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምፍጻም፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጉድኣት የውርድ ኣሎ ብዝብል ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ `ዩ ኢሉ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ ኣብ`ቲ ፡ ኸባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ክንድኡ ዝኣክል ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምውሳድ ዘድልዮ ኣይኮነን ኢሉ።

XS
SM
MD
LG