ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: 110 ሚልዮን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንልዕሊ 60 ሃገራት ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ


ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝለገሰቶ ክታበት ቫይረስ ኮሮና
ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝለገሰቶ ክታበት ቫይረስ ኮሮና

ኣመሪካ፣ 110 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ19 ንልዕሊ 60 ሃገራት ከምዝለገሰት ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት (ዋይት ሃውስ) አፍሊጡ።

መብዛሕትኡ እቲ ክታበት ብሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝተኸፋፈለ ዝጠቀሰ ዋይት ሃውስ፣ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚኒቲ ሃገራት ካሪብያን’ውን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ዋይት ሃውስ ወሲኹ "እዚ ምክፍፋል ክታበት ኮቪድ 19፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣስታት 80 ሚልዮን ክታበት ንካልኦት ሃገራት ክንልግሰለን ኢና ኢሎም ንዝኣተውዎ ቃል ዝተግበረን፣ ስዒቦም ንዝልገሱ ተወሰኽቲ ክታበታት ፈላማይ ስጉምቲ እዩ" ይብል።

ብዝተሓሓዝ ዜና መንግስቲ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 1,210,550 ጆንሰንን ጆንሰንን ክታበት ኮቪድ 19 ከምዝለገሰ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ 453,600 ንኢትዮጵያ ከምዝተለገሰ ዘዘኻኸረ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ፣ እዚ ኣካል እቲ ንኣፍሪቃ ክዋሃብ መደብ ዝተገበረሉ 25 ሚልዮን ክታበት ከምዝኾነ ጠቂሱ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ አዲስ አበባ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ማእከል ቁጽጽር ሕማማትን ብቅርበት ይስራሕ ከምዘሎ፣ እቲ ኣብ አዲስ አበባ ዝበጽሐ ክታበት ብሓገዝ ኮቭክስ ከምኾነ’ውን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG