ዋሽንግተን —
ኡጋንዳ ንፈቃድ ሰራሕተኛታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይተናውሕ ኣፍሊጣ።
እዚ ውሳነ’ዚ፣ እቶም ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ምግሃስ መሰላት ኣብ ኡጋንዳ ዓብዪ ውጥረት ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ስራሖም ንከይፍጽሙ ከምዘዕንቀፎ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ናብ ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተላኣኸ ደብዳቤ ኡጋንዳ "ሰበ ስልጣን ከባቢታት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምክትታልን ምርግጋጽን ሓላፍነት ተቀቢሎም ኣለው" ይብል። እቲ ደብዳቤ ወሲኹ "ኡጋንዳ፣ ካብ ሎሚ ጀሚራ ምስ’ቲ ኣብ ጄኔቫ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ርክብ ከተካይድ እያ"ውን ይብል።
ጠበቃ ሰብኣዊ መሰላት ኡጋንዳዊ ኒኮለስ ኦፕዮ ግና ነቲ ምዕባለ "ሕማቅ ተጓንፎ’ ኢሉ ክገልጾ ከሎ ‘ኣነ ከምዝመስለኒ፣ ክእረም ዘለዎ ዘይምርድዳእ ኮይኑ እዩ ዝስማዓኒ’ ከምዝበለ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።