ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወሰኽቲ 6 ምልክታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና 19 ተገሊጾም


ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ምልክታት ቫይረስ ኮሮና

ሰበ ስልጣን ጥዕና ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ምልክታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ወግዓዊ ገይሮም ኣለው።
ብመሰረት እዚ ሓበሬታ: ኣብ ርእስቶም ኣቐዲሞም ብማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ማለት (Center for Disease Control -CDC) ዝተፈልጡ

👉 ረስኒ (Fever)
👉 ሰዓልን (Cough)
👉 ሕጽረት ትንፋስን (Shortness of breath/ difficulty of breathing)

እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ከምዝኾኑ ተገሊጹ ኣሎ። ንሳቶም ድማ

👉 ቀዝሒ (Chills)
👉 ዝተደጋገመ ምንቅጥቃጥ ዝተሓወሶ ቀዝሒ ኣካላት( Repeated Shaking with Chills)
👉 ቃንዛ ጭዋዳ (Muscle Pain)
👉 ቃንዛ ርእሲ (Headache)
👉 ቃንዛ ሕበጥ ጎሮሮ (Sore Throat)
👉 ጨና ምስኣንን ጣዕሚ ዘይምስምቓርን (Loss of taste or smell)
ሓደስቲ ተገሊጾም ዘለው ምልክታት ቫይረስ ኮሮና እዮም።

XS
SM
MD
LG