ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ክርስቶስ ዝምህረሉ ዝነበረ ምኵራብ (ቤት ጸሎት) ምርካቦም ይገልጹ


መንግስቲ እስራኤል ኣብ ከተማ ሚግዳል ጽርግያ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ንተመራመርቲ ስነ-ጥንቲን ታሪኽ ኣመንቲ ክርስትናን ኣዝዩ ዘገድስ ርኽበት ኣጓኒፉዎም።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ እስራኤል ኣብታ ትውልዲ ማርያም መግደላዊት ዝዀነት ከተማ ሚግዳል፡ ናይ ጥንቲ ምኵራብ (ቤት ጸሎት) ረኺቦም ነይሮም። ሕጂ ድማ ኣብ ካልእ ወገን እቲ ጽርግያ ካልእ ምኵራብ ምርካቦም ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ክልተ ኣብያተ-ጸሎት ኣብ እዋን የሱስ ክርስቶስ ዝነበረሉ ግዜ ዝተረኽቡ እንኮ ቅዱሳን ስፍራ ምዃኖም’ዩ።

ተመራማሪት ስነ-ጥንቲ ዩኒቨርስቲ ሃይፋ ዝዀነት ዲና ኣይሻሎም ጎርኒ ብዛዕባ’ቲ ርኸበት ኣመልኪታ ከምዚ ትብል፤“ናብ ቀዳሞት ዓመታት ምውላድ ክርስቶስ ዝነበረ ኣከባቢ ኢና ዘሎና። እዚ ርኽበት’ዚ ንጹር ናይ ግዜ ሰሌዳ ዘቐምጥ’ዩ። ካብዚ ዝቕድም ጭብጢ ዛጊት ኣይጸንሓናን። ስለዚ ከኣ’ዩ እዚ ኵዕታ’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን፡”ኢላ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ የሩሳሌም ዝርከቡ ኣመንቲ ኣይሁድ ንጸሎትን መስዋእቲን ኣብ ቤት መቕደስ የካይዱሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብ ሚግዳል ግን ኣመንቲ ኣብቲ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ምኵራብ (ቤት ጸሎት)ብምዃን መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ ምንባሮም እቶም ተመራመርቲ የመልክቱ።

ርኽበት እዚ ሓድሽ ቤት ጸሎት ብዙሕ ሓበሬታ ከም ዘፈልፈለ ኣብቲ ኵዕታ ዝሳተፉ ዘለዉ ተመራመርቲ ይገልጹ።

እቲ ንምርምር ዝኵዓት ዘሎ ኣብቲ ኣቐዲሙ “ማግዳላ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቦታ ኰይኒ፡ ሰፊሕ መሬት ዝሽፍን’ዩ። ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ ካብ ምዕራብ ቓዛ ዝመጹ ፍሊስጤማውያን ኰይኖም፡ ናብቲ ቦታ ክኣትዉን ክወጹን ወረቐት ፍቓድ እናርኣዩ’ዮም ዝመላለሱ።

ብመሰረት ሕጊ እስራኤል፡ ዝዀነ ህንጻዊ ስራሓት ቅድሚ ምጅማሩን ምጽዳቑን ብተመራመርቲ ስነ-ኵዕታ ዳህሳስ ክግበረሉ ኣለዎ። ብኸምኡ’ዮም ድማ ሓያሎ ኣዝዮም ኣገደስቲ ታሪኻውያን ቅርስታት ብኣጋጣሚ ዝርከቡ ዘለዉ።

እቲ ተመዲቡ ዝነበረ ስራሓት ጽርግያ ክቋረጽ ድዩ ወይስ ኣንፈት ክቕይር ዛጊት ብመንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን።ተመራመርቲ ግን ኣገዳስነት እቲ ርኽበት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ናይ ህንጻ መደብ ክስረዝ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

ዋላ’ኳ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ቦታ ይምህር ከም ዝነበረ ብሰፊሑ ይጸሓፍ ደኣ’ምበር፡ ዛጊት ካብ ተረኺቡ ዘሎ ኵዕታ ግን ብቐጥታ ንስም ክርስቶስ ዝጠቅስ ምልክት ኣይረኸቡን። ካልኦት ተመራመርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ማርያም መግደላዊት ኣብዛ ሕጂ ተረኺባ ዘላ ምኵራብበጺሓ ክትከውን ከም እትኽእል ይእምቱ።

XS
SM
MD
LG