ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ክልል ትግራይ ሓደጋ ሞት የንጸላልዎም ከምዘሎ ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕ/ሃ ኣጠንቂቑ


ህጹጽን ኣገዳሲን ሓገዝ እንተዘይኣርኪቡሎም ብውሑድ 33 ሽሕ ብጉድለት ኣመጋግባ ዝተጎድኡ ቆልዑ ትግራይ ክሞቱ ከምዝኽእሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድሕን(ዩኒሴፍ) ኣጠንቂቁ።

ዩኒሴፍ ብወገኑ "መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ’ታ ብኩናት ተሃስያ ዘላ ትግራይ ዘይተደረተ መተሓላለፊ ንክህሉ ክንገብር ኢና" ክብል ንዝኣተዎ ቃል ንክትግብር ተማሕጺኑ ኣሎ። ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ጀምስ ኤልደር ትካላት ረድኤት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ክኣትው ተዘይኪኢሎም፣ ከቢድ ሰብ ሰራሕ ጥፍኣት ክስዕብ እዩ’ ክብል ኣጠንቂቁ::

"እቲ ዘድንቅ ነገር፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ፣ ኩነተ ውሕስና መግቢ እናተበላሸው ስለዝኸይድ፣ ብሕልፊ ንቆልዑ ኩነታት ክኸብዶም እዩ። ስለዚ፣ እኽሊ እንተዘይ ተዘሪኡ፣ ካብ’ቲ ዝጠቀስናዮ 33 ሽሕ ኣሃዝ ንላዕሊ ሓደጋ ሞት ኣብ ቆልዑ ከጋጥመና እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ሓይልታት፣ ንዩኒሴፍ ዘይተደረተ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ንክረክብ ክሕግዙን ንኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንክነውግድን ክንክእል ኣለና።"

ዩኒሴፍ ኣብ መግለጺኡ ብውሑድ 140 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዳርጋ ጥምየት ደረጃ ከምዝርከቡ ጠቂሱ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ 56 ሽሕ ቆልዑ ብሰንኪ ሕሱም ዋሕዲ መግቢ ክንክን ዘድልዮም እዮም ኢሉ።

እቲ ወሃቢ ቃል ማእከላት ጥዕና ተጎዲኦም፣ ሰራሕተኛታት ጥዕና መጥቃዕቲን ምፍርራሕን ተፈጺምዎም ብሰንኩ ድማ ናብ ስርሖም ንዘይምምላስ ወሲኖም እዮም ይብል::

ተንቀሳቀስቲ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ጉጅለታት ምግብናን ስርሖም ብነጻነት ንክሰርሑ ጥጡሕ ባይታ ክረኽቡ ኣለዎም። ኣብ’ዛ ንዛረበላ ሰዓት፣ ክታበት ንፍዮ፣ ኣልምሲን ቫይታሚን ኤን ንክህቡ ይብገሱ እዮም ዘለው። ክንዝክሮ ዘለና፣ ንትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝቀትሎም ‘ስእነት መግቢ’ ዘይኮነስ ከም ‘ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን ጉድለት ጽርየትን’ እዩ።

ትካል ህጻናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት ነቶም ዕለታዊ ንምንባር ክብሉ ይቃለሱ ዘለው 1.3 ሚልዮን ቆልዑ ንምእባድ ካብ ዘድሊ 47 ሚልዮን ዶላር እቲ 13 ሚልዮን ዶላር ከምዝጎደሎ’ውን ገሊጹ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG