ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ከቕውም ኣዚዙ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ልዕልና ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእ`ዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ነቶም ሻቕሎቶም ዝገለጹ መሓዙታ ተመስግን ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ ፥ እቲ ስርሒት ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ንውሽጣዊ ጉዳያታ ተመሓድረሉ ዓቕሚ`ዩ ኢሉ።

ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሰነየ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ኩናት ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፥ ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፥ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣውዲቕና ክብል ከሎ፥ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ምክልኽል ኢትዮጵያ ጀነራል መሓመድ ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ ድማ፥ ነቲ ዝተባህለ ብምንጻግ ኩለን ነፈርትና ኣማን`የን ዘለዋ ተልእኮኣን ድማ ብዝግባእ ይፍጽማ`ለዋ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ትማሊ ሰንበት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፥ ሓዲሽ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ሓዲሽ ሓላፊ ስለያን፥ ሓዲሽ ሚንስተር ጉዳያት ወጻእን ሸይሙ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፥ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፥ ብቐዳም ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፥ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ከቕውም ኣዚዙ`ሎ። ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝተመሓላለፈ ውሳነ 359/2003 ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ንሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ስለዘእተወ መንግስቲ ብመሰረት ሕገመንግስታዊ ዓንቀጽ 62/9 ናብቲ ክልል ኣትዩ ሕጊ ከኽብር ኣለዎ ይብል።

XS
SM
MD
LG