ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ዳን ኮነልን ደቪድ ሺንን ኣብ ጉዳይ ሽልማት ኖበል ሰላምን፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንቀ/ሚ ኣቢይ ዘሰክሞ ሓላፍነትን(2ይ ክፋል)


ብምኽንያት ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ዓርቢ ንኽልተ ኣሜሪካዊያን ምሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ምዝርራብና ይዝከር።

ዳን ኮነል መምህር ዩኒቨርስቲን ጋዜጠኛን ክከውን ከሎ ዳቪድ ሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበረ ሕጂ’ውን ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ዝምድናታት’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህቦ ትርጉም ኣብ ዝብል ርእይትኦም ኣካፊሎም ኔሮም።

ንሎሚ ድማ እቲ ሽልማት ምስ ርግኣትን ሰላምን ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብምትሕሓዝ ርእይትኦም ይህቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ`ውን ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ ነቲ ለውጢ ዝድግፉን ዘይድግፉን፡ ኣብ መንጎ ተሓለቕቲ ብሄርተኝነትን ኣሃዳዊ ኢትዮጵያውነትን ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ ርሓቐለይ ክርሕቐልካን ሕቶታት ደረተይ ደረትካን ምስሕሓብን ግጭትን ምቕጻሉ ይንገር።

ንምዃኑ ንኢትዮጵያ ናብ ጎደና ሰላምን ዕብየትን ንምቕናዕ እዚ ንመራሒኣ ዝተዋህበ ናይ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሽልማት ኖቤል ሰላም ፡ እንታይ ተራን ትርጉምን ይህቦ ይኸውን ዝብል ሕቶታት ንምምላስ ተፈቲኑ`ሎ።

ዳን ኮነል፡ ኣብ ከተማ ቦስተን ዝቕመጥ ደራስን ተንታኒ ፖለቲካን`ዩ። ንሱ ኣብ ዘረብኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ስልጣን ዝሓዘ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፖለቲካዊ ባይታ ብምስፋሕን፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምፍታሕን ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ሚዲያታት ዝነበረ ሓጹራት ብምልዓል ልዑል ስራሕ ከም ዝሰርሐ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ዓሌታዊ ህውከት እንተሃድአ`ውን ገና ከምዝቐጸለ ይገልጽ። ኣተሓሒዙ “ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ትኩረቱ ናብ ኣህጉራዊ ዛዕባታት ጌሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ`ዚ ኣዋርሕ`ዚ ግን ገጹ ናብ ውሽጣዊ ጉዳያት`ዛ ሃገር ጌሩ`ሎ እዚ ድማ ኣወንታዊ`ዩ “ ይብል። “ እዚ ንኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊት ንምግባርን ንፖለቲካዊ ተቓወምቲ ባይታ ንምኽፋትን ዝግበር ተመክሮ ሓደገኛ ተመክሮ ምስ ምዃኑ ናበይ ገጹ ከምዘምርሕ ክሳብ`ቲ ዝመጽእ ዓመት ኣብ 2020 ዝካየድ ምርጫ ክንፈልጦ ኣጸጋሚ`ዩ” ይብል።

ዳን ኮነል ኣተሓሒዙ “ኩሉ ወገን እቲ መስርሕ ከምዝዕወት ዝክኣሎ ክገብር ተስፋ እገብር” ድሕሪ ምባል፡ ካብ`ዚ መስርሕ`ዚ ተኣምር ምጽባይ ዘይኮነስ፡ ናብ ዝሓሸን ክፉትን ኣንፈት ዲሞክራሲ ሓደ ስጉምቲ ጌሮም ክርእይዎ ይግባእ ኢሉ።

ኣብ እዋን ኩናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበረ ዳቪድ ሺን ብወገኑ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉ፡ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዲሞክራሲ ግን ጽቡቕ`ዩ“ ይብል።

ምስ ዳን ኮነልን ደቪድ ሺንን ዝተኻየደ ካልኣይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG