ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሽልማት ኖቤል ዝቕበሎ ብሽም`ቶም ንሰላም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን`ዩ' ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ


ሎሚ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሰላም ንክፍጠር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ንክዕንብብ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣፍሪቃን ሰላምን ዕርቅን ንክወርድ ንዘበርከቶ ኣበርክቶ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ሰላም ኖበል ከም ዝተሸለመ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ገሊጹ`ሎ ።

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብቲ እዋን፡ “ ነዚ ሽልማት ዝቕበሎ ዘለኹ፡ ብሽም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብፍላይ ድማ ብሽም`ቶም ንሰላም መስዋእቲ ዝኸፈሉ`ዩ” ድሕሪ ምባል ፡ “ብተመሳሳሊ ነዚ ሽልማት ዝቕበሎ ናይ ሰላም መሻርኽተይን ብጻየይን ብዝኾኑ ብሽም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ `ዩ- ምኽንያቱ ሰናይ ፍቓዶም፡ እምነቶምን ቁርራጽነቶምን ነቲ ን20 ዓመት ኣብ ዝነበሮ ደው ኢሉ ዝነበረ ውጥረት ንኸብቅዕ ወሳኒ ስለዝነበረ” ኢሉ።

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ንሰላም ዝህቦ ግምት ኻብ ምንታይ ከምዝብገስ ክገልጽ ከሎ፡ ብኣካል ካብ ዝተሳተፈሉ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኩናት ካብ ዝረኣዮ ምዃኑ`ውን ኣብሪሁ። ንሰላም ዘለዎ ራእይ ካብ ናይ ምድማር ፍልስፍና ዝምንጩ ምዃኑ`ውን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን፡ “ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሕና፡ መስቀይቲን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ዝፍጸመሉ ዝነበረ ማእከላት ዓጺና፡ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ናጽነት ፕረስ ጽቡቕ ሽም ኣለዋ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ናይ ጋዜጠኛታት ቤት-ማእሰርቲ ኣይኮነትን”ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG