ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ስታፍ ኢትዮጵያ፡ `ስግኣት ምፍጣር ዝለመደ ኣካል ንምንቅስቓስ ሰራዊትና ከተዓናቕፎ ይፍትን ኣሎ` ኢሉ


ምኽትል ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራ ዝነበረና ሰራዊት ናብ ካልእ ቦታ ከይነግዕዝ ዝፍትን ኣካል ኣሎ ኢሉ፡ እንተኾነ ደው ከብሎ ዝኽእል ኣይኮነን ኢሉ።

“ክልል ትግራይ ንምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ናይ ምትዕንቓፍ ድልየት የብሉን። እቲ ኽልል ማለት ዝተወደበ ናይ ትግራይ መንግስቲ ማለት`ዩ። እቲ ሰራዊት ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰራዊት`ውን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንሰራዊት ኣይዓግትን።"

ንፓርላማ ኢትዮጵያ መብርሂ ዝሃበ ጀነራል ብርሃኑ፡ እቲ ናይ ምትዕንቓፍ ተግባር ዘይቅቡል`ዩ ድሕሪ ምባል፡”ንምንቅስቓስ ሓይሊ ምክልኻል ግን ማንም ክዓግቶ ዝኽእል የለን” ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ ካብ ዶብ ኤርትራ ሰራዊት ክሰሓበሉ ዘድለየ ምኽንያት፡ ናይ ወራር ስግኣት ስለዘየለ ከምኡ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን መሪሕነቱን ናብ ኩናት ዘይኮነስ ናብ ሰላምን ናብ ሓቢርካ ምምዕባልን ኣንፊቶም ስለዘለዉ`ዩ ኢሉ።

“ናይ ወራር ስግኣት ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን። ኣብ ቕድሚ ባይቶ ኾይነ`የ ዝዛረብ ዘለኹ። ኸምኡ ዓይነት ስግኣት የለን።እኳ ድኣስ፡ ዘሎ ነገር፡ ናይ ምትሕብባር፡ ናብ ሰላምን ልምዓትን ምኻድ፡ ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ዝንባለ`ዩ ዘሎ። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኾነ መሪሕነቱ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኹናት ኣይደልዩን።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG