ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጠንቐቅታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኮሮና ቫይረስ ብዝተሓሓዝ  ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ዝካየድ መጥቓዕቲ


ገለ መዓልታት ድሕሪ ፈላሞት ተርእዮታት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምሕባሩ ዘስግኡ ኣብ ገለ’ውን ጎነጻዊ ስጉምቲታት ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ምርኣዮም ይግለጽ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ አዲስ አበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘይልሙድ ናይ ደሕነት መጠንቀቕታ ከውጽእ ደሪኽዎ’ሎ።

እቲ ኤምባሲ ምስ ምውሳኽ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ኣንጻር ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ዝቐነዓ ስምዒታት ይንጸባረቑ ምህላዎም ሓበሬታ ረኺቡ’ሎ። ነቲ ቫይረስ ምስ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ብምዝማድ ኣነዋሪን ጎዳኢን ርእይቶታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ይረኣዩ ኣለው።

ኣብ ገለ ቦታታት’ውን ዜጋታት ወጻኢ ሃገር መጥቓዕቲ ዳርባ እምኒ: ምክልካል ህዝባዊ መጉዓዝያ: ብእግሪ ምጉያይ: ጡፍ ምባል ከምኡ’ውን ብኮሮና ቫይረስ ተታሒዝካ/ኪ ዝብል ስም ምልጣፍ ዝአመሰሉ መጥቓዕትታት የጋጥሙ ምህላዎም ይሕበር ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ከምዘለው ምርግጋጹ ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ጃፓናዊያን እታ ሓንቲ ድማ እንግሊዛዊት ዲፕሎማት ምዃና ይፍለጥ። መንግስቲ ነዚ ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻውን ኣብ ህዝባዊ መጉዓዝያ ኣልኮል ዝጠልቐየ መጽረይ ኢድ ቐሪቡ’ሎ።

ስለዚ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት በይኖም ከይንቀሳቀሱ: መጥቓዕቲ ምስ ዘጋጥም ድማ ካብ ግብረ መልሲ ምሃብ ተቆጢቦም መዕቖቢ ከዳልው ይመክር።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG