ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ፕረ.ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ


ፕረዚደንት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኤሪክ ሽዋዝ ገ
ፕረዚደንት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኤሪክ ሽዋዝ ገ

"ሓላፊት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ሳማንታ ፓወርን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍዝን፣ ናብ’ቲ ብኣማኢት ኣሻሓት ሰለማዊያን ሰባት ኣብ እዋን ግጭት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዎም ዘሎ ክልል ትግራይ ምብጽሖም ኣዝዮም ከምዝድግፉ" ፕረዚደንት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኤሪክ ሽዋዝ ገሊጾም።

ሚስተር ሽዋዝ "ክልቲኦም ሰበ ስልጣን፣ ኩሎም ወገናት፣ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ፣ ንሰላማዊያን ሰባት ክሕልው፣ ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይዕንቅፋት ናብ ተጸባዪ ህዝቢ ንክሓልፍ ግዴታ ከምዘለዎም ንከዘኻኽሩ ዕድል ክፈጥረሎም እዩ፣ ግን ጊዜ የምልጠና አሎ እዩ ዘሎ" ኢሎም።

900 ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ዛጊት ኣብ ጥቃ ጥምየት ወዲቆም ከምዝርከቡ፣ 2.4 ሚልዮን ድማ ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይበጺሕሎም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ'ሎ።

ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንወትሃደራዊ ወፍሪ ደው ከብሉ፣ ዘይተደረተን ሙሉእን ሰብኣዊ ሓገዛት ንክሓልፍ ከኽእሉን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ከቢድ ጥምየት ከውግዱን’ውን መጸዋዕታ ቀሪቡ አሎ።

ነቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምኹላፍ ሰሙናዊ ኣስታት 600 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ዝብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ፣ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግና ናብቲ ክልል ንክኣትዋ ዝተፈቀደለን 50 መካይን ጥራሕ ከምዝኾና ይጠቅስ።

መግለጺ ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል "ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ነዚ ኩነታት’ዚ፣ምስ መጸዊዕኡ ብዝቃዶ ኣገባብ፣ ማዕረ ዓለምለኸ ስግኣት ሰላምን ጸጥታን ገይሩ ክዘራረበሉ’ ጸዊዑ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፣ ቅልጡፍ ደገፍን ትኹረትን ዝጠልቡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምዝተፈጠሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልድያ ዘምህሩ ኣቶ ደጀን የማነ ገሊጾም።

እቶም ተንታኒ ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤት ኢና ዝብሉ ትካላት ግን ማዕረ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሃብዎ ቆላሕታ ንካልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣይሃቡን ይብሉ ።

ኣቶ ደጀን የማነ "ዝተዛበዐ ሚዛን ትካላት ረድኤት፣ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ንዘጋጠሞም ጸገም ዘቃልል ዘይኮነ ዘጋድድ እዩ" ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብወገኖም ምስ ናይ ወጻኢ ሚድያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ "ፍትሓዊ፣ ተፈሮኣዊ ወሰና ንክነምልስን፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክሓልፍ መታን ተጽዕኖ ንምፍጣር ዝዓለመ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወ" ጠቂሶም እዮም።

ኣብ’ዚ ቀረባ ብሰንኪ ዝደገሶ ሓድሽ ውግእ፣ ካብ ራያ ቆቦ፣ ሰቆጣ፣ ኣበርገለ፣ ዓፋር ፈንቲ ረሱ፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝግመቱ ሰባት ተፈናቂሎም ተጸበይቲ መግቢ ኮይኖም ከምዘለው ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG