ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 34 ፈደረሽን ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ሰንበት ኣብ ሚንያፖሊስ ክኽፈት`ዩ


ኣብ ከተማ ሰይንት ፖል-ሚንያፖሊስ ዝካየድ መበል 34 ፌስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን 43 ናይ ዓበይትን ናእሽቱን ጋንታታት ከምዝሳተፋ ፕረዚደንት`ቲ ፈደረሽን ኣቶ ደስታ እምባየ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ`ሎ።

ኣብ ሚነሶታ ትርከብ ክለብ ደንደን ድማ፡ ልዕሊ 10 ጋንታት ኣሰሊፋ ኣብ`ቲ ንሰሙን ዝቕጽል ውድድራት ከምትሳተፍ፡ ኣባል መሪሕነት ክለብ ደንደን ኣቶ ዘገርግሽ ቀሺ ግደይ ገሊጹ`ሎ።

ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከባ ማንታ ከተማታት ሰይንት-ፖልን ምንያፖሊስን ድማ፡ ንተጻወትን ኣጋይሽን ብዘለወን ጸጋታት ንምቕባል ተዳልየን ከምዘለዋ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።

ናይ ሎሚ ዘመን ናይ ክብሪ ጋሻ ሓዲሽ ኣበራ(ኮረሪ) ምዃኑ`ውን ካብ`ቲ ፈደረሽን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ምስ ኣቶ ደስታን ኣቶ ዘገርግሽን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG