ዋሽንግተን —
ኣብ ከተማ ሰይንት ፖል-ሚንያፖሊስ ዝካየድ መበል 34 ፌስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን 43 ናይ ዓበይትን ናእሽቱን ጋንታታት ከምዝሳተፋ ፕረዚደንት`ቲ ፈደረሽን ኣቶ ደስታ እምባየ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ`ሎ።
ኣብ ሚነሶታ ትርከብ ክለብ ደንደን ድማ፡ ልዕሊ 10 ጋንታት ኣሰሊፋ ኣብ`ቲ ንሰሙን ዝቕጽል ውድድራት ከምትሳተፍ፡ ኣባል መሪሕነት ክለብ ደንደን ኣቶ ዘገርግሽ ቀሺ ግደይ ገሊጹ`ሎ።
ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከባ ማንታ ከተማታት ሰይንት-ፖልን ምንያፖሊስን ድማ፡ ንተጻወትን ኣጋይሽን ብዘለወን ጸጋታት ንምቕባል ተዳልየን ከምዘለዋ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።
ናይ ሎሚ ዘመን ናይ ክብሪ ጋሻ ሓዲሽ ኣበራ(ኮረሪ) ምዃኑ`ውን ካብ`ቲ ፈደረሽን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ምስ ኣቶ ደስታን ኣቶ ዘገርግሽን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።