ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘልዓለም ጌዴዎን ምስ ኣርሴናል ክስለፍ‘ዩ


ዘልዓለም ምስ ፖዶልስኪ
ዘልዓለም ምስ ፖዶልስኪ
17 ዓመት ዝዕድሚኡ ዘልዓለም ጌዴዎን ኣርሰናል ኣንፃር ቶተንሃም ሃትስፐር ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ኣብ ተካይዶ ግጥም FA Cup ንክስለፍ ብኣርሰን ዌንገር ክሕረ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ናይ ኣርሰናል ተኣምረኛ ቆልዓ ተባሂሉ ዝዝረበሉን ኣብ ማእከላይ ሜዳ ተሰሊፉ ዝፃወትን ዘልዓለም ጌደዎን ምስ ኣርሰናል ቀዋሚ ውዕል ገና ኣይከተመን ዘሎ።

ኣርሰን ዌንገር ግና ኣብ‘ቲ ቀዳም ጋንትኡ ምስ ቶተንሃም ተካይዶ ወሳናይ ግጥም ከስልፎ ከምዝደሊ እቲ ዜና ይጠቅስ።ዘልዓለም ኣብ ትሕቲ 17 ን 21ን ንኣርሴናል ወኪሉ ኣብ ግጥማት መፃረዪን ፅዋዕ መን ዓተረን ከምዝተሰለፈ ዝዝከር‘ዩ።
XS
SM
MD
LG