ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ መጻረይ ዋንጫ ዓለም ኤርትራ ምስ ቦስትዋና ኢትዮጵያ ምስ ሳ ኦ ቶም ፕሪንቺፕፐ ገጢመን


ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ጋንታ ቦስትዋና ቅድሚ ትማሊንቀዳማይ ዙር ግጥም መጻረይ ዋንጫ ዓለም አብ ዘካየደቶ ግጥም 2ብ0 ተሳዒራ።

እታ ጋንታ አብ ወጻኢ ሃገራት ዝጻወቱ ፕሮፌሽናል ተጻወቲ ሒዛ’ያ ተሰሊፋ። እዞም ተጻወቲ ውልቃዊ ብቕዓት ከምዘለዎም ካብቲ ዘርአይዎ ቅዲን ሜላን አጸዋውታ ንምልላይ ከቢድ እንተዘይነበረ ተሰለፍቲ’ታ ጋንታ ግን ትጽቢት ተመልከቲ ከርውዩ ኣይከአሉን። ናይ ምርድዳእ ሓቢርካ ምጽዋት ጸገም ነይሩዎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ትማሊ አብ ስታድዩም አዲስ አበባ ካልአይ ግጥም ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንመጋጥምታ ጋንታ ሳኦ ቶም ፕሪንችፐ 3ብ 0 ስዒራ’ላ። ብውሕሉል ውጽኢት 3 ብ 1 ናብ ቀጻሊ ዙር መጻረይ ምህላፋ አረጋጊጻላ። እታ ጋንታ ብቀዳማይ ግጥም 1ብ0 ተሳዒራ ምንባራ ይዝከር።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ አብ’ቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ግጥም ቀዳመይቲ ሸቶ ዘመዝገበት አብ መበል 47 ሰኮንድ’ዩ። አብ ታሪኽ’ታ ጋንታ ካብ ዝተመዝገበ ሸቶታት ፈጣን ሸቶ ተባሂላ’ውን ተመዝጊባላ። ቀጻሊ ግጥም ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ኮንጎ ብራዛቪል ክኾውን’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG