ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድራማ ፅዋዕ ዓለም ቀፂሉ ስዻኝ ዳግም ተሳዒራ


Spain v Chile
Spain v Chile
ሎሚ ቀዲመን ናብ ሜዳ ዝኣተዋ ብቺሌ ክልተ ንሓደ ዝተሳዓረት ኣውስትራልያን ንስዻኝ ኣርባዕተ ንባዶ ዝቀፅዐት ሆላንድን‘የን።ክልቲኤን ጋንታታት፣ረርእሱ ዝኻኣለ ኣጀንዳ ሒዘን‘የን ናብ ሜዳ ኣትየን። ሆላንድ ተተዓዊታ ብቀጥታ ናብ ካልኣይ ዙር ኣውዲቅካ ምሕላፍ ክትበፅሕ ኣውስትራልያ ብግዲኣ ኣብ‘ዚ ግጥም‘ዚ እንተተሳዒራ ኣኺልዋ ንዓዳ ክትምለስ ስለትግደድ ግድን ክትስዕር ነይርዋ።

እንተኾነ እቲ ረመፅ ንተኸላኸልቲ ኮይኑ ዘሎ ሮቢን ኣብ መበል 19 ደቂቃ ንቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።እንተኾነ ቁፅሪ ኣርባዕተ ናይ ኣውስትራልያ ኬሂል ንኣዝያ ትናኣድ ሸቶ ኣብ ውሽጢ ሰኮንዳት ኣመዝጊቡ።ሆላንዳውያን ታሕጓሶም ከየስተማቅሩ መንጢልዎም።እቲ ፀወታ ብማዕረ ሸቶ ሓደ ንሓደ ብልዑል ረስኒን ንሒን ቀፂሉ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣውስትራልያ ኣብ መበል 52 ደቃይቅ ኣካታዒት ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ረኺባ፣ቁፅሪ 15 ተጠቂሙላ።ኣውስትራልያ ክልተ ሆላንድ ክልተ።

ሆላንድ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቂቃ ብቫን ፐርሲ ኣቢላ ካልኣይ ሸቶ ኣመዝጊባ እንደገና እቲ ፀወታ ማዕረ ክልተ ንክልተ ቀፂሉ።ኣብ መበል 67 ደቂቃ ሆላንድ ብቁፅሪ 21 ዲፔይ ሳልሳይ ሸቶ ኣመዝጊባ ነቲ ፀወታ ክትመርሖ ጀሚራ።ብኡ‘ውን ተዛዚሙ።ሆላንድ ሰለስተ፣ኣውስትራልያ ክልተ።ካብ ናይ ሎም-ዘበን ፅዋዕ ዓለም፣ሓደ ፀወታ እናተረፋ ከሎ ፈላመይቲ ዝተሰጎጎት ሃገር ኣውስትራልያ ኮይና‘ላ።

ካልኣይ ግጥም ዘካየዳ ስዻኝን ቺሌን‘የን።ካብ ትኻሳ ገና ዘይተሰአት ጋንታ ስዻኝ ኣዝዩ ዝተሓተ ተሳትፎ ኣርእያ ብቺሌ ተሳዒራ።ክልተ ንዜሮ።ስዻኝ ደጊም ተስፋ የብላን።ናብ ቀፃላይ ዙር ኣይክትሓልፍን።ካልአይቲ ዝተሰጎጎት ሃገር።ቺሌ ሽዱሽተ ነጥቢ ሒዛ ምሕላፋ ኣረጋጊፃ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ወይ ትዕወት ወይ ካብ‘ቲ ግጥማት ትባረር-ቁርፅ ዝበለ መማረፂ ዝቀረበለን ጋንታታት ካሜሩንን ክሮኤሽያን-ንኣዝዩ ወሳኒ ካልኣይ ግጥም ተቀሪበን‘ለዋ።
XS
SM
MD
LG