ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ ኤድስ አብ መላእ ዓለም ሎሚ ተኸቢሩ ውዒሉ


ዓለም-ለኸ ትኻል ጥዕና(WHO) ሎሚ ተኸቢሩ ዝወዓለ መዓልቲ ኤድስ እቲ ቫይረስ ንከይባዛሕ ዝሕግዝ መድሃኒት ጸረ-ረትሮቫይራል (antiretroviral therapy) ንኹሉ ምስ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት ክባጻሕ አለዎ ዝብል ቴማ ሒዙ ክውዕል ጸዊዑ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ትካል ሕ/ሃ ካብ 37 ሚሊዮን ምስ ኤች ኣይ ቪ ዝነብሩ ሰባት’ቶም 16 ሚሊዮን ነዚ መድሃኒት ይረኽቡ።

አብ ሕ/ሃ አብ ክፍሊ ኤድስ ጠቕላሊ ዳይሬክተር ሚቸል ሲዲበ ግን ገና ብዙሕ ስራሕ ከምዝተረፈ ይሕብሩ።

ብተወሳኺ ንሶም ‘ገና ብሚሊዮናት ዝቁጸሩ እቲ መድሃኒት ዘየባጻሕናሎም አለው። ካልኦት 22 ሚሊዮን እዚ መድሃኒት ከነብጽሓሎም ዘይኸአልና አለው። እቲ ስራሕ ገና ኣይተወደአን ዘሎ ገና ዝስራሕ ብዙሕ አሎ። ነዚ ስራሕ ደው ምስ ነብል ድማ ነዚ ተላባዒ ሕማም ንእውጅ አለና ማለት’ዩ። ካብ ተስፋ ምቁራጽ ኢና ናብ’ዚ ተስፋ በጺሕና ዘለና ስለዚ ነዚ ሕማም ብ2030 ደው ከነብል ንስራሕ’ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

መዓልቲ ኤድስ አብ መላእ ዓለም ሎሚ ተኸቢሩ ውዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:06 0:00

XS
SM
MD
LG