ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዱብ ጥዕና ዓለም ኢቦላ ዳግማይ ኣብ ሰራልዮን ተራእዩ ይብል


ውዱብ ጥዕና ዓለም ኢቦላ ካብ ምዕራብ አፍሪቃ ተቐሪፉ’ዩ ኢሉ ካብ ዝእውጅ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ አብ ሰራልዮን ዝሞተ ሰብ ሬሳ አብ ዝተገብረ ምርመራ እቲ ሰብ ኢቦላ ቫይረስ ከምዝተረኽቦ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም። ዓለም-ለኸ ውዱብ ጥዕና’ውን ነዚ አረጋጊጹ’ዩ።

ዝሓለፈ ሓሙስ አብ ጀነቫ መግለጺ ዝሃበ ውዱብ ጥዕና ዓለም ላይበርያ ካብ ቫይረስ ኢቦላ ነጻ ኮይና’ያ እዚ ማለት ድማ ሰለስቲአን ሃገራት ምዕራብ አፍሪቃ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ኮይነን ማለት’ዩ ኢሉ።

እዚ መግለጺ አብ ዝተዋህበሉ ጊዜ ግን ጥንቓቐ ከምዘድልይን ሓደጋ’ቲ ቫይረስ ገና ከምዘሎን’ዮም ዳይሬክተር ክፍሊ ህጹጽ ግብረ-መልሲ ኣብ ውዱብ ጥዕና ዓለም ሪክ ብሪነን ገሊጾም ኔሮም።

ውዱብ ጥዕና ዓለም ንናይ ፈረንሳ ዜና አገልግሎት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ አብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዛ ትማሊ ሬሳአ ዝተረኽበ ሰብ ጓል 22 ዓመት ተማሃሪት ኮይና ዝሓለፈ ሰሙን ሓሚማ ናብ ሕክምና ድሕሪ ምኻዳ’ያ ሶሉስ ዓሪፋ።

እዚ ክስተት ድማ አብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እቲ ሕማም ዳግም ከይረአ ልዑል ክትትል፡ግብረ-መልስን ምድላውን ከምዘድልይ መርኣያ’ዩ ይብል ውዱብ ጥዕና ዓለም። እዚ መግለጺ ውዱብ ጥዕና ዓለም ዝወጸ 42 መዓልታት ድሕሪ ብዘይ ሓድሽ ክስተት’ቲ ቫይረስ አብ ላይበርያ ክኸውን ኸሎ ከምዚ ዝዓመሰለ ክስተት ከጋጥም ከምዝኽእል ዝፍለጥ እንተነበረ'ዃ ነቲ ቫይረስ ክሳብ መወዳእታ ንምቕራፍ ሓያል ዝኾነ ምክትታል የድልይ’ዩ ይብል እቲ ውዱብ።

ወኪል ውዱብ ጥዕና ዓለም አብ ላይበርያ ኣሌክስ ጋሳሲር እቲ ውዱብ ላይበርያ ነዚ ሓድሽ ተርእዮ እቲ ቫይረስ ንምክልካል ንምቕራፍን አብ ተካይዶ ጻዕርታት ኩሉ ከምዝድግፍ ቃል ኣትዮም ኣለው።

አብ ምዕራብ አፍሪቃ ብተመሓላላፊ ሕማም ኢቦላ አስታት 11,000 ሰባት ክሞቱ ከለው አስታት 28,500 ድማ በቲ ሕማም ተጠቂኦም ምንባሮም ይፍለጥ።

ምሉእ ጥሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ውዱብ ጥዕና ዓለም ኢቦላ ዳግማይ አብ ሰራልዮን ተራእዩ ይብል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:09 0:00

XS
SM
MD
LG