ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀብፃብ ኣተሓሕዛ መሰላት ሃገራት ብተግባር ኣብ ፖሊሲ ወፃኢኣሜሪካ ዝርኤ እንተኾይኑ ተስፋ ዝህብ'ዩ ይብሉ ጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት


መንግስቲ ዩናይትድ ሴተይትስ በብዓመቱ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ሃገራት- ብተግባር ኣብ ናይ ወፃኢፖሊሲኡ ዝርአ እንተኾይኑ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን'ዩ ክብሉ ጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብአዊ መሰላት አፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ኤርትራን ሶማልን ሓዊሱ መንግስታት ፈፂሞሞ ዝበሎም ምግሃሳት ሰብአዊ መሰላት ዝሓዘ ፀብፃብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ሴተይትስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወፂኡ'ዩ።

መንግስቲ ዩናይትድ ሴተይትስ ነቲ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ክትግብሮን፣ መንግስታት ኸአ አሰራርሕኦም ከመሓይሹን ጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብአዊ መሰላት አዘኻኺሮም'ለው።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
US-HR-Report-CPJ-HRW
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:15 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG