ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወጥሪ ከተማ ፈርግሰንን ክትዕ ጉዳይ ዘርኢ ዩናይትድ ስቴትስን


A police officer approaches a police vehicle after a protester has thrown a smoke device from the crowd Tuesday, Ferguson, Mo., Nov. 25, 2014
A police officer approaches a police vehicle after a protester has thrown a smoke device from the crowd Tuesday, Ferguson, Mo., Nov. 25, 2014

ኣብ ሚዞሪ ከተማ St. Louis ንዘይተዓጥቐ ፀሊም መንእሰይ ዝቐተለ ፃዕዳ ፖሊስ ዘኽስስ ገበን ኣይፈፀመን ክብል grand jury ኣብ ዝሃቦ ውሳነ ኣሜሪካዊያን ተመቓቒሎም ኣለው።ገሊኦም ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ኣሜሪካዊያን ዝፍፀም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ እዩ ክብሉ ቑጥዕኦም እንትገልፁ ካልኦት ድማ መስርሕ ሕጊ ክኽበር ኣለዎ ይብሉ።ኣብ ከተማ ፍርግሰን ዝተፈፀመ ቕትለት ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝተደጎለ ናይ ዘርኢ ወጥሪ ክወፅእ ገይሩዎ’ሎ።

ዝተቖጥዑ ሰፈኛታት ንትካላት ንግዲ ድሕሪ ምብርዖምን ንብዙሓት መኻይን ምዕናዎምን ከተማ ፈርግሰን ሚዞሪ ሕዚ እውን ኣብ ወጥሪ ትርከብ።ኣማሓዳሪ ክፍለግዝኣት ሚዞሪ መብዛሕቲኦም ፀለምቲ ናብዝነብሩላ ከተማ ተወሳኺ ሓይሊ ክዋፈር ትማሊ ሰሉስ ኣዚዞም ኣለው።

ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ጉጅለታት ኣንፃር ቀፃሊ ዘይማዕርነታዊ ዘርኢ ድምፆም የስምዑ ኣለው። ናይ NAACP ፕሬዝዳንት ዊሊያም ባርበር ካብ ራይለ፣ኖርዝ ካሮላይና ‘’ ድሕሪ ደጊም ካብ ሓደ ቀብሪ ናብ ካሊእ ቀብሪ፣ተወሳኺ ካሊእ ቀብሪ፣ምቕታል ድሕሪ ምቕታል፣ሕዚ እውን ካሊእ ምቕታል፤ከምዚ ክቕፅል ክንፈቅድ የብልናን’’ኢሎም።

ነቲ ጉዳይ መርሚሩ ኽሲ ክምስረት የብሉን ክብል grand jury ንዝወሰኖ ውሳነ ብምቅዋም ኣብ ምሉእ ዩናይትድ ስቴትስ ሰፍልታት ተኻይዶም ኣለው።ኣብ ኒው ዮርክ ሓዊሱ ዓበይቲ ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ሰፊሕ ፀገም ኣቓልቦ ክውሃቦ ብምሕታት ተሰሊፎም ኣለው።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢንዲያና ተምሃሮ ስለ ግዳይ ማይክል ብራውን ናይ ሕልና ፀሎት ኣካይዶም።ኣብ ሚኒያፖሊስ ገለ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ካብ መምሃሪ ክፍሎም ወፂኦም።

ኣብ ሎሳንጀለስ እውን ሰልፈኛታት ፖሊስ እዛ ሃገር ብሓፈሻ ንኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ይሕዝሉ ዘለው ኣገባብ ቁጥዕኦም ገሊፆም።ነባሪ ከተማ ሎሳንጀለስ ፒት ዋይት በቲ ውሳነ ብዙሕ ከምዘይተገረመ ይገልፅ።ፀዓዱ ፖሊስታን ፀዓዱ ሓለውቲ ፀጥታን ኣብ ውሽጢ 28 ስዓታት ንሓደ ፀሊም ይቐትሉ እዮም ኢሉ’ሎ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ መራሒት ዴሞክራሲያዊያን ናንሲ ፐሎሲ ብውሳነ እቲ ጁሪ ጓህየን ገሊፀን።ሻቐሎት ፀለምቲ ኣሜሪካዊያን ንምፍታሕ ተወሳኺ ክስራሕ ኣለዎ ኢለን።

እቲ ዝበዝሕ ቁጥዐ ብሃንደበት ኣብ ልዕሊ ዝተመረፁ ኣባላት እቲ ጁሪ ማለት እውን ኣብ ልዕሊ 12 ነበርቲ ሚዞሪ ከይኮነስ ናብ ልዕሊ ስርዓት ምኽባር ሕጊ እታ ሃገር ዘቕንዐ ይመስል።ዝበዝሑ ነበርቲ ከተማ ፈርግሰን ፀለምቲ ዋላ እንተኾኑ እውን ካብቶም 12 ኣባልት ጁሪ ሰለስተ ፀለምቲ እንትኾኑ ትሽዓተ ድማ ፀዓዱ እዮም።

ፖሊስ ምሕረት ኣልቦ ኣፅዋር ንኸይጥቀም ሓድሽ ሕጊ ንኽወፅእ ብዙሓት ኣሜሪካዊያን ይፅውዑ ኣለው።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ሰሉስ ከምዝበልኦ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ገለ ኽፋል እቲ ህዝቢ ዘሎ ዓሚቕ ዘይምትእምማንን ርክባት ዘርኢ ኣብ ምኽባር ሕጊ ዘሕድሮ ዘሎ ፅዕንቶምን ክትምርምሮ ኣለዋ ኢለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG