ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኹሲ ኢምባሲ ኢትዮጵያ፡ ተጻረርቲ ሰልፍታት ወሊዑ


Ethiopia
Ethiopia

እቲ ሓደ ወገን፡ ኢምባሲና ተወሳኺ ሓለዋ ይገበረሉ ይብል፡ እቲ ኻልእ ድማ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሸባርነት ይኸስስ

ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ብዝተፈጸመ ተኹሲ፡ ሓላፊ ጸጥታ`ቲ ኢምባሲ ካብ`ዛ ሃገር ከምዝወጽእ ድሕሪ ምስ ተገብረ፡ ሎሚ`ውን ተወሳኺ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ውዒሉ።

እቲ ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ሰሉስ ዝተኻየደ ሰልፍታት፡ ተጻራሪ ርኢቶ ዝሓዘ`ዩ።

20 ዝኾኑ ንባዕሎም ኢትዮጵያውያን ንሰላም ኢሎም ዝጽውዑ ተሰልፍቲ፡ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራን ጭርሖታትን ብምንብልባል፡ ኣብ`ቲ ኢምባሲ ተወሳኺ ሓለዋ ክግበር ይጽውዑ ኔሮም።

ኣቶ ሙሉ ኣሰፋ፡ ንጋዜጠኛ ቪኦኤ ፓም ዶኪንስ ክዛረብ ከሎ “መሰልና ዝተጣሕሰ ኾይኑ ይስምዓና፡ ብኣገልግሎት ጸጥታ ኣመሪካ ትኹረት ኣይረኸባናን።ነቲ ኢምባሲ ክሕልውዎ ኔርዎም ” ኢሉ።

በቲ ሓደ ወገን ኣንጻሮም ካብ ብዝተሰለፉ 15 ዝኾኑ ድማ፡ ኤልዛቤት ኣልታዬ ትብሃል ኢትዮጵያዊት “ሕወሓት ኣሸባሪ ጉጅለ ምዃኑ፡ ንኣመሪካን ንህዝቢ ኣመሪካን ንምንጋር`የ ኣብ`ዚ ተሰሊፈ ዘለኹ “ኢላ።

ፖሊስ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኔሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

US-Ethiopia-Protest
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:25 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG