ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ደብዳብ ፈፂማ


ሰብ ኣልቦ ነፋሪት
ሰብ ኣልቦ ነፋሪት

ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መራሒ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ጎዳኔ ዝዓለመ ዝተባሃለሉ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ከምዝፈፀመ ተፈሊጡ።

መሰኻኽር ከምዝብልዎ፣እቲ ደብዳብ ትማሊ ሶንይ ፅልግልግ ምስ በለ ንሰለስተ ይጓዓዛ ዝነበራ ማካይን ዒላማ ከምዝገበረ ተገሊፁ።ዝወረደ ጉድኣት ግና ዛጊድ ንፁር ኣይኮነን።

እተን ነፈርቲ፣ትማሊ ሶንይ ኣማስይኡ ይጓዓዛ ንዝነበራ ማካይን ዓሊመን ተኸታተልቲ ሚሳይላት ከምዝተኮሳለንን እተን ክልተ መብራህተን ኣጥፊአን ኣንፈት ክቅይራ ፈቲነን ግን ተወቂዔን፣ኩነታት እታ ሳልሰይቲ ግና ተጋራጫዊ ሓበሬታ ከምዘሎ እቲ ዜና ገሊፁ።

ኣሕመድ ጎዳኔ ካብ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ጀሚሩ መራሒ ኣል-ሸባብ ኮይኑ ይንቀሳቀስ‘ሎ።ንሱ ኣል-ሸባብ ምስ ኣል-ቃይዳ ተዋሃሂዱ‘ሎ ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።

ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:01 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG