ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ፀብፃብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉድያት ወፃኢ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓመታዊ ፀብፃብ ኣውፂኡሎ።ኣብቲ ፀብፃብ ኣብ ኢትዮጵያ ሓሳብ ብነፃ ናይ ምግላፅን ናይ ምውዳብን ደረታት፣ናይ ምውዳብ ነፃነት፣ማእሰርትንፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎ ፍርድን፣ምንክልባትን ምፍርራሕን ኣባላት ተቓወምትን ጋዜጠኛታት ካልኦትን ዘርዚሩሎ።

እዚ 42 ገፅ ዝሓዘ ሪፖርት ንብርክት ዝበሉ መግሃስትን ደረታትን ሰብኣዊ መሰላት ዘርዚሩሎ።

ምድራት ሓሳብካ ምግላፅ፣ኣብ ናይ ሕትመትን ኢንተርኔትን ቀፃሊ ደረት፣ናይ ምውዳብ ነፃነት ምንፋግ፣ማእሰርቲ፣ብፖለቲካ ናብ ፍርዲ ምቕራብ፣ንኣባላት ተቓወምትን ጋዜጠኛታትን ምፍርራሕን ምንክልባትን ይፍፀም ይብል እቲ ሪፖርት።

መንግስቲ ብዝኣወጆ ናይ ገበርቲ ሰናይን ማሕበራትን ሕጊ ኣቢሉ ንምንቅስቓስ ስቪል ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ምድራቱ ከምዝቐፀለ ይሕብር።ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ መህጋስትታት ኣዚዮም ኣገደስቲ ፀገማት ሰብኣዊ መሰላት እዮም ክብል ይጠቕሶም እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:49 0:00

XS
SM
MD
LG