ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒቨርሲታት መቐለን በርክሌይ-ካሊፎርንያን ሓቢረን ይነጥፋ


ገለ ካብ ሞንጎ'ተን ሰልጠንቲ
ገለ ካብ ሞንጎ'ተን ሰልጠንቲ

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ በርክሌይ ብምትሕግጋዝ ኣብ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ኣደታት ኣብ ቀረበአን መከላኸሊ ጥንሲ ክረኽባ ዘኽእል ዋኒን ፈፂሞም ኣለዉ።

ኣብዚ ውራይ እዚ 826 ኣብ ገጠር ዝነብራ ኣደታት ሞያዊ ስልጠና ኣወጋግኣ መርፍእ ወሲደን። ልዕሊ 10 ሽሕ ደቀንስትዮ ድማ ተጠቀምቲ ኰይነን።

ኣብዚ ዝተዋደደ ስራሕ እዚ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ስልጠና ብምሃብ፣ ነቲ ወፍሪ ብተግባር ብምፍፃምን ብምምራሕን ድማ ማሕበር ደቀንስትዮ ትግራይ ተሳቲፎም። ነቲ ስራሕ ብላዕለዋይነት ዘተሓባበርዎ ድማ ላዕለዋይ ክኢላ ማህፀንን ጥንስን ዶክተር ኣማኑኤል ገሰሰው እዮም። ነቲ ዋኒን መፈፀሚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣተኣላሊሹ ዘምፀአን ዘተግበረን ድማ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ በርክሌይ እዩ።

እቲ ንሰለስተ ዓማውቲ ዝተወሃበ ብመርፍእ ዝወሃብ ግልጋሎት መከላኸሊ ጥንሲ ከመይ ከምዝተፈፀመ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ፕላኔት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተገምጊሙ’ሎ። ብመሰረት እቲ ገምጋም መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምውሳድ ዝርገሐ 30 ሚኢታዊ ዝነበረ ናብ 37 ምኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ። መከላኸሊ ክወስዳ እናደለያን እናተገበአንን ግና ዘይወስዳ ዝነበራ 16 ሚኢታዊ ዝነበረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ 11 ሚኢታዊ ክወርድ ምኽኣሉ ብኽልቲኡ መለክዒ እቲ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ዝርገሐ ወሲኹ ምህላዉ ተረዲእና ኣለና ኢሎም ዶክተር ኣማኒኤል።

እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ውፅኢት ኣድላይነት እቲ ግልጋሎት ብምርኣይ መንግስቲ ንቐፃሊ ብደረጃ ፖሊሲ ሒዙ ንቕድሚት ክወስዶ ዝግባእ ምዃኑ መመላኸቲ እዩ ኢሎም ኣለዉ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ሓጐስ ጎደፋይ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:28 0:00

XS
SM
MD
LG