ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቃወምቲ ኡጋንዳ፣ንጭካነ ፖሊስ እታ ሃገር ይከሱ

FILE - Kizza Besigye, leader of opposition party Forum for Democratic Change (FDC), speaks to the media announcing his candidature for the 2016 presidential election in the capital Kampala.
FILE - Kizza Besigye, leader of opposition party Forum for Democratic Change (FDC), speaks to the media announcing his candidature for the 2016 presidential election in the capital Kampala.

ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ንዓመታ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ፣ ኣንፃር ተቃወምቲ ህውከት የላዕሉ ኣለው ኢሎም ከሲሶም መራሕቲ ተቃውሞ ኪዛ ቢስጅየ።

ንሶም ነዚ ክሲ’ዚ ዘቃልሑ፣ ካብ ካምፓላ 400 ኪ/ሜ ርሒቃ ናብ ዘላ ክፍለ-ሃገር ከይዶም ኣብ ሰልፊ መድረክ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምስታፍ ኣብ ዝተበገስሉ እዋን፣ፖሊስ ስለዝተተናኾሎም’ዮም።

ፖሊስ ግና ንመምርሒ ሃገራዊ ኮምሽን መረፃ ኢና ንትግብር ዘለና። ሚስተር ቢስጅየ፣ገና ናይ ፓርቲኦም ውክልና’ውን ኣይረኸቡን ዘለው ይብል።

ዶ/ር በስጅየ ግና፣ ህዝባዊ ሰልፊ ንዘይምክያድ ዝእግድ ሕጊ ኣብ ኡጋንዳ የለን ኢሎም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ብስጂየን ብፆቱን ዝተፈፀመ ጨካነ ዝበልዎ ተግባር ፖሊስ ዝኹነን’ዩ ኢሎም ገሊፆምዎ ቀ/ሚ ኡጋንዳ ዝነበሩን ሎሚ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዝተሰለፉን ኣማማ ምባባዚ። መንግስቲ ኡጋንዳ፣ንሰላማዊያን ሰባት የከላብት አሎ ሓይሊ ፖሊስ ኣደብ ንክገዝእ ስጉምቲ ክውሰድ አለዎ’ውን ኢሎም።

ኣብ’ዚ ምስሕሓብ’ዚ ተፀሚዱ ዝዋዓለ ሕገ-መንግስታዊ ቤት-ፍርዲ ሎሚ ሶኒ ኣብ ዘሕለፎ ብይን ‘ሰብኣዊ መሰላት ዝግህሱ ኣባላት ፖሊስን ካልኦት ኣካላትን ተሓተቲ ክኾኑ’ዮም’ ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG