ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣንድነት‘ ኣብ ሃገራዊ መረፃ 2007 ክሳተፍ‘የ ይብል


ሓድነት ንፍትሒን ዴሞክራሲን
ሓድነት ንፍትሒን ዴሞክራሲን

ሓድነት ንፍትሒን ዴሞክራሲን ኣንድነት ሎሚ ዝሃቦ መግለፂ ኣብ ዋኒናት መረፃ‘ዩ።ኣርእስቱ መረፃ ክባሃል ከሎ መማረፂ ከየስአንካ ክኾን ኣለዎ ዝብል‘ዩ።

ኣባል ኣመራርሓ‘ቲ ፓርቲ ኣቶ ኣስራት ጣሴ ”ከም‘ቲ ሕሉፋት፣ኢህወዴግ ንደገፍተይ ዝብሎም ጥራሕ ኣኻኺቡ መረፃ ዘካይደሎ መስርሕ ከብቅዕ ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን።ኣብ ምዕዋት‘ዚ ብወገና ንኣባላትና ንክመርፁ ካብ ምምዝጋብ ሓሊፎም ተዓዘብቲ‘ቲ መስርሕ እውን ኮይኖም ብሙሉእ ንክሳተፉ ክነተባብዖም ኢና።ናይ ሎም-ዘበን መረፃ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ዴሞክራሲያዊ ኮይኑ ንክዛዘም ክንሰርሕ ኢና። ህዝቢ ወናኒ ስልጣኑ ንክኸውን ወሳናይ‘ዩ ባሃልቲ ኢና” ኢሎም።

ኣቶ ግርማ ሰይፉ ኣባል ፓርላማን ምክትል ኣቦ-መንበር ኣንድነትን‘ዮም እቲ ፓርቲ ኣብ ናይ ሎም-ዘበን መረፃ ክሳተፍ ድዩ? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ፣ ”ፈፃሚ ስራሕ ኣብ‘ቲ መረፃ ክንሳተፍ ኢና ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ‘ሎ። ዝሳተፍ ግና ኣብ ኢትዮዽያ ጥጡሕ ባይታ ንፓለቲካዊ ውድድር ኣሎ ኢሉ ስለዝተቀበለ ኣይኮነን።ከምእምነት ኣንድነት እቲ ዝተዓፀወ ፖለቲካዊን ናይ መረፃን ባይታ ምኽፋት ዝካኣል፣ህዝቢ ኢትዮዽያ ብሰላማዊ ኣገባብ ብዘካይዶ ምንቅስቃስ‘ዩ።መረፃ ድማ ሓደ ኣገባብ ቃልሲ‘ዩ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ኣንድነት ካብ 14 ክሳብ 20 ሕዳር፣ድምፂ ሚልዮናት ንሕልናዊ እሱራት ዝብል ተበግሶ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ።
ኣቶ ግርማ ሰይፉ፣ናይ ዝተኣሰሩ ሰባት ፎቶግራፍን መንነትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ክንዝርግሕ ኢና ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ኣብ‘ታ ሃገር ፖለቲካዊን ናይ ሕልናን እሱር የለን’ዮም ዝብሉ።ጋዜጠኛታት መራሕቲ ኣንድነት መርተዖ ከቅርቡ ይኽእሉ እንተኾይኖም ተሓቲቶም ኣቶ ግርማ ክምልሱ ከለው፣ብዘይጥርጥር ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቁፀሩ ናይ ሕልፋ እሱራት ኣለው ኢሎም።

ኣንድነት ካብ ኣባልነት መድረኽ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንዓርሱ ከምዘግለለ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG