ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሰሙን ቱር ዲፍራንስ ብገምጋም ክልተ ጋዜጠኛታት ስፖርት


ቱር ዲፍራንስ ካብ ዝጅመር እንሆ ካልኣይ ሰሙን ሒዙ ኣሎ። ኣብቲ ውድ ድር ንፈለማ ግዜ ዝሳተፉ ዘለው ክልተ ኤርትራውያን ከምቲ ክግለጽ ዝቐነየ ኣንጸባራቒ ምንቅስቓስ ኣብ ምርኣይ ይርከቡ።

ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብዘመዝገቦ ናይ ዓቐብ መሪሕነት ንጉስ ጎቦታት እተስሚ ጻዕዳ ዝምድራ በዓልቲ ቀይሕ ነጠብጣብ ማልያ ክሳብ ሎሚ ለቢሱ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ምቕናዩ ይፍለጥ።

​ነዚ ብዝምልከት ክልተ ጋዜጠኛታት ስፖርት ገምጋሞም ኣካፊሎምና ኣለው። ንሳቶም ድማ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣዳላዊ መደብ ስፖርት ተስፋልደት መብራህቱን ኣዳላዊ ስፖርት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝነበረን ኣብዚ ግዜዚ ድማ ማልቲ ሚድያ ፕሮድዩሰር ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዝራ ፍስሃየን እዮም።

ሙሉእ ትሕዝቶ​ ገምጋሞም​ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

ገምጋም ቱር ዲ ፍራንስ

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:46 0:00

XS
SM
MD
LG