ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማርያም ሰባ፡ እናተሓጸበ ንሓደ ዓመት ዘገልግል መቐበሊ ወርሓዊ ጽግያት


 ወ/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ
ወ/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ

ኣብ ከተማ መቐለ ብ2002 ዓ.ም ዕላዊ ስርሑ ዝመሰሰ ማርያም ሰባ ዝተሰየመ ትካል ዝበለጸ መማረጺ ኮይኑ ዝቐረበ እናተሓጸበ ንሓደ ዓመት ዘገልግል መቐበሊ ወርሓዊ ጽግያት (Reusable Sanitary Pads) ኣፍርዩ ናብ መሸጣ የቕርብ’ሎ፡፡ወናኒት እቲ ትካል ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ነዚ ሓዱሽ ምህዞአን ካብ ትካል ሳይንስን ቴክኖለጅን ኢትዮጵያ መረጋገጺ መሰል ዋንነት ሂብወን እዩ፡

ኣብ ኢትዮጵያ መቐበሊ ወርሓዊ ጽግያት ክጥቀማ ዝግበአን ኣዋልድ 18 ሚልዮን ምዃነን ዝገልጻ ወይዘሮ ፍረወይኒ እተን 2 ሚልዮን ጥራሕ እየን ተጠቀምቲ፤ ካብዚአን እውን እተን 98 ሚኢታዊ ኣብ ከተማታት እየን ዝርከባ ይብላ፡፡

ሐዚ ተመሓይሹን ብወይዘሮ ፍረወይኒ ተማሂዙን ተሰሪሑ ዘሎ እናተሓጸበ ዘገልግል መቐበሊ ወርሓዊ ጽግያት ሙሉእ ብምሉእ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ ራሕሲ ዘየሕልፍ፣ ንኣጠቓቕማ ምቑሉል፣ገንዘብ ዝቑጥብ፣ከባቢ ዘየርስሕ ምዃኑ ይገልጻ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ደቀንስትዮ ንኣርባዕተ ፍረ ብ35 ቕርሺ ዓዲገን እናሓጸባ ዓመት መመላእታ ይጥቀማሉ ኣለዋ፡፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተፈላለዩ መዐደሊ ማእኸላት ንመሸጣ ቀሪቡ’ሎ፡፡

ማርያም ሰባ ፋብሪካ መፍረዪ እናተሓጸበ ዘገልግል መቐበሊ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዓመት 100 ሽሕ መቐበሊ ወርሓዊ ጽግያት ጨርቂ የፍሪ’ሎ፡፡

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ
XS
SM
MD
LG