ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽዕባት ሃብቲ ዓሳ ኣብ ቃላይን ሩባን ተከዘ


ዶ/ር ታደሰ
ዶ/ር ታደሰ
ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ብሓባር ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ግድብ ሩባ ተከዘ ሓሙሽተ ዓይነታት ዓሌት ዓሳ ረኺቡ’ሎ፡፡ ካብዚኦም ፃዕዳ ዓሳ 57 ሚኢታዊ፣ ኣምባዛ 4 ሚኢታዊ፣ቀረሶ 39 ሚኢታዊ ይርከቡ ኢሎም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓላፊ ርክባት ማሕበረሰብን ኢንዱስትሪን ዶክተር ታደሰ ደጄኔ፡፡

ንምርባሕ ዓሳ ልዕሊ 22 መጠን ዋዒ ማይ ስለዝሰማመዖ ግድብ ተከዘ ድማ ጽቡቕ ተፈጥሮኣዊ ምህዳር ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ፡፡ ዓሳ ልዑል ትሕዝቶ ሃናጺ ምግቢ ስለዘለዎ ህዝቢ ዓሳ ናይ ምምጋብ ባህሊ ከዕቢ ይግባእ ይብሉ ዶክተር ታደሰ፡፡

ልምዓት ዓሳ ብዘተኣማምን መንገዲ ንምክያድ Cage Culture ማለት ኣብ ልዕሊ ቃላይ ዝግበር ሕርሻ ዝሐሸ መይላ ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ፡፡ መናእሰይ ቃላይ ልክዕ ከም መሬት ተሸንሺኑ ይዋሃቦም እሞ ብዘመናዊ መንገዲ ናብ ልምዓት ዓሳ ክወፍሩ ይግበር ኢሎም ዶክተር ታደሰ፡፡ ግድብ ተከዘ ስለዝተሃነፀ ድማ 16 ሽሕ ሄክታር መሬት እዩ ብማይ ተሸፊኑ ዘሎ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ዓውዲታት ልምዓት ብምክያድ ለውጢ ንምርካብ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ልምዓት ዓሳ ምክያድ መናእሰይ ክወፍርሉ ዝግባእ ዘይተተንከፈ ዕቑር ሃፍቲ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ ይብሉ እቶም ክኢላ፡፡

ብመሰረት ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ብ2000 ዓ.ም ዘውጸኦ መረዳእታ 36 ሽሕ ሚሊዮን ሰባት ኣብ ልምዓት ዓሳ ወፊሮም ኣለዉ፡፡ 200 ሽሕ ሚሊዮን ሰባት ምግቢ ዓሳ ይጥቀሙ፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:57 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG