ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያን ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንን


ካምፕ ስዱዳት
ካምፕ ስዱዳት

በዝሒ ናብ ኢትዮዽያ ዝሰገሩ ደቡብ ሱዳናውያን ከምዘይነከየን፣ብሕልፊ ክረምቲ ምስ ምእታው ሓደጋ ጥምየት የንፀላልው ከምዘሎን ተገሊፁ።

ኣብ ምዕራብ ኢትዮዽያ ኣብ ዝተኸፈቱ ኣርባዕተ ማእከላት ስዱዳት ደቡብ ሱዳን በፂሖም ወሃቢ-ቃል UNHCR ኣቶ ክሱት ገ/ሄር፣በዝሒ ስዱዳት ኣይነከየን ኢሎም።

በቢመዓልቲ ካብ 800 ክሳብ 1,000 ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ኢትዮዽያ ይኣትው‘ለው፣ሓረስቶት ኣብ ጊዚኡ ክሓርሱ ኣይካኣሉን፣ስለዚ ኣብ ሃገሮም ሓደጋ ጥምየት ኣሎ፣ከምሳዕቤኑ ድማ ተወሰኽቲ ሰባት ክስደዱ ይኽእሉ‘ዮም ይብሉ እቶም ወሃቢ-ቃል።

ዛጊድ እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ንነዘ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ 180 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ኢትዮዽያ ከምዝኣተው ኣቶ ክሱት ጠቂሶም።
ብዘይካ‘ዚ ልዕሊ 600 ሽሕ ስዱዳት ኤርትራ፣ሶማልያን ሱዳንን ኣብ ኢትዮዽያ ኣዕቊቦም‘ለው።

ኢትዮዽያ ወሰናታ ከፊታ ክንዲ ዝኣክል ብዙሕ ስደተኛ ክትቅበል ከላ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብውገኑ ዝልግሶ ሓገዝ ክብ ከብል ትፅቢት ይግበረሉ‘ዩ ይብሉ ኣቶ ክሱት።

ፀገም ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ነባራይ ፍታሕ ዝረክብ እቲ ኣብ‘ዚ ቀረባ ክቅፅል‘ዩ ዝባሃል መስርሕ ልዝብ ኣዲሳበባ ምስ ዝዕወት‘ዩ።

UNHCR በዚሒ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ካብ‘ቲ ቅድም ክብል ዝነፀሮ ግምት ዝበዝሐ ኮይኑ‘ሎ።ብመሰረት‘ቲ ኮምሽን ዝሃቦ ሓበሬታ ክሳብ ዝመፅእ ታሕሳስ ክሳብ 150 ሽሕ ስደተኛታት ክንቅበል ኢና ዝብል ነይሩ፣እንተኾነ ዛጊድ በዝሒ ዝተቀበሎም ስደተኛታት 180 ሽሕ ኮይኑ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG