ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክጅምር ትፅቢት ኣሎ


መድረኽ ልዝብ ሰላም
መድረኽ ልዝብ ሰላም

ፅባሕ ኣብ ዝጅምር ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክሳተፉ ዝኽእሉ ጠለባትና ምስ ዝማላእ ጥራሕ‘ዩ ኢሎም ተቃወምቲ‘ታ ሃገር።

ወሃቢ-ቃል‘ቶም ተቃወምቲ ሑሴን ማርኞች ንቪኦኤ ከምዝገለፆ፣ተቃወምቲ እቲ ልዝብ ንክዕወት ክነሕግዝ ኢና ኢሉ።እንተኾነ ሕቶታትና ይምለሱ ኣለው ይብል ሑሴን፣

”ምስ ኢጋድ ድሕሪ ምምኻርና ንጉዳይ ሲቪካዊ ማሕበረ-ሰብ መልሲ ይዋሃብ ኣሎ።ስደተኛታትን ተፈናቀልቲን ወከልቶም ንክልእኹ ይስራሓሉ ስለዘሎ ተቀባልነት ዝረኸቡ ይመስል።ስለዚ ከም‘ቲ ንሪኦ ዘለና እንተቀፂሉ ዕንቅፋት ዘጓንፈና ኣይመስልን” ኢሉ ንሱ።

እዚ ፅባሕ ዝጅምር ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናይ መወዳእታ ዕድል ንተናሓናሕቲ ወገናት‘ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው።ብዛዕባ‘ዚ ሪኢቶ ተሓቲቶም ኣለው ወሃቢ-ቃል ተቃወምቲ ሚስተር ሑሴን፣

”እቲ ካልኣይ ወገን ቅሩብ ኣሎ እንተኾይኑ ክንሰማማዕን ንሃገርና ሰላም ክንህባን ይካኣል‘ዩ።ኣብ ውሽጢ ሓደ ድዩ ክልተ ሰሙን፣እቲ ካልኣይ ወገንን ካልኦት እጀታ ዘለዎም ወገናትን‘ዮም ዝውስንዎ።ብኣና ወገን ግና፣እዚ ናይ ፅባሕ ልዝብ፣ዛዛማይ ልዝብ ንክኸውን‘ዩ ድልየትና” ኢሉ‘ሎ።

መግለፂ ኢጋድ መስርሕ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ፅባሕ ክጅምር‘ዩ ዝብል‘ዩ።ግን መረጋገፂ ኣይተዋሃበን ዘሎ።ተላዘብቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን እውን እንተኾኑ ክሳብ ሎሚ ኣዲሳበባ ኣይኣተውን።

XS
SM
MD
LG