ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ክቀራረቡ ኣይክኣሉን


Ethiopian Prime Minister Hailemariam Desalegn (C), South Sudan's President Salva Kiir (L) and South Sudan rebel chief Riek Machar (R) attend a meeting in Addis Ababa, March 3, 2015, as part of the latest round of peace talks to end over 14 months of confl
Ethiopian Prime Minister Hailemariam Desalegn (C), South Sudan's President Salva Kiir (L) and South Sudan rebel chief Riek Machar (R) attend a meeting in Addis Ababa, March 3, 2015, as part of the latest round of peace talks to end over 14 months of confl

ዝተቐመጠ ግዜ ከብቅዕ ካብ 12 ስዓታት ዝሓፀረ ግዜ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን ብሕቡራት መንግስታት ክንበር ዝተወሰነ ማዕቐብ ከትርፍ ኣብ ዝእኽል ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ክበፅሑ ኣይክኣሉን።

ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ምኽትሎም ዝነበሩ ሪያክ ማቻርን ኣብ ታሕሳስ 2013 ኣ/ፈ ዝጀመረ ውግእ ንኸብቅዕ ዝተኻየዱ ተኸተተልቲ ዙር ልዝባት ምዕባለ ኣየርአየን።

ክልቲኦም ወገናት መሊሶም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም እዮም።ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቓዋሚ ሪያክ ማቻርን ዝተኻየደ ናይ ክልተ ማዕልታት ዕፁው ልዝብ ግን ብኣካል ካብ ምቅርራብ ሓሊፉ ናብ ሓቃዊ ሰላም ከቀራርቦም ኣይክኣለን።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ክልቲኦም ወገናት ኣብ መቐሎ ስልጣን እንተድኣ ዘይተሰማሚዖም ማዕቐብ ክግበር ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ዘሕለፎ ውሳነ ዛጊድ ፅዕነቶ ኣይሕደረን።

ኣብቲ ከይዲ ሰላም ንስቪል ማሕበረሰብ ብምውካል ይሳተፉ ዘለው ጊዲዮን ማቦር ክልቲኦም ወገናት ስለዝፈሸሉ ተሓተቲ እዮም ይብሉ።

‘’ክልቲኦም ወገናት ግዜ ንምርካብ ብታክቲክ እዮም ዝፅዋቱ ዘለው’’ዝበሉ ንሶም ብምቕፃል ‘’እቶም ተቓወምቲ ግዜ ብዝወሰደ ቁፅሪ ተቐባልነት እቲ መንግስቲ እናቐሃመ ክኸውይድ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም፤እዚ ሕሱር እምነት እዩ።መንግስቲ እውን ስለ ሰላም ክብል ርሑቕ ኣይጉዓዝን ዘሎ’’ኢሎም።

ቀንዲ ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ፀጥታ ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ።ናይቶም ዓመፅቲ ተዋጋእቲ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ብዘይውዓል ሕደር ክሕወሱ ዝብል ተቓወምቲ ኣይተቐበሉዎን።ኣብ መንጎ ወታደራት ምትእምማን ክፍጠር ግዜ ይደልዩ።ካሊእ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ናይ ኣፈፃሚ ስልጣን ዝህልዎ ምቕክልት ፕሬዝዳንት ይኹን ኣይኹን እውን ካሊእ እዩ።ክልቲኦም ወገናት ኣብ ደቡብ ሱዳን ፌደራሊዝም ከመይ ይተግበር ኣብ ዝብሉ መትከላት እውን ኣይተረዳድኡን።

ነቲ ልዝብ ዝመርሕ ዘሎ ኢጋድ ብኽልቲኦም ወገናት ዕሽሽ ክብሃሉ ንዝፀንሑ ተደጋገምቲ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ከፈርሞም ጥራሕ እዩ ፀኒሑ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣሌክስ ሮንዶስ እዋኑ ንኢጋድ ተወሳኺ ጭዋዳ ምውሳኽ ዘድልየሉ ግዜ እዩ ይብሉ።

ፃዕሪ ኢጋድ ብኻልኦት ተዋሳእቲ ማሕበረሰብ ዓለም ክሕገዝን ክደገፍን ዝበሉ ሮንዶስ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሰላም ንምምፃእ ዘኽእል ናይ ሰላም እማመ ጥራሕ ከይኮነስ ከም ሃገር ቀፃሊ ክትኸውን ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካን ዓለምለኸ ማሕበርሰብን ሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኣለዎም ዝብል እንምነት ኣለኒ ኢሎም።

ማዕቐብ ሕቡራት መንግስታት ዕንቅፋት እዮም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝእመኑ ሰባት ናይ ጉዕዞ እገዳን ንብረቶም ከይንቀሳቐሱን ኣብ ምኽልካል ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኸውን ይእመን።እንተድኣ ዘይተሰማሚዖም ማዕቐብ ኣፅዋር እውን ክሓውስ ይኽእል እዩ።

ሰሎሞን ደሪሶ ኣብ ኢንስቲቱት መፅናዕትታት ፀጥታ ተንታኒ እዮም። ማዕቐብ ብዘይካ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ኣብ ከይዲ ልዝብ ይሳተፉ ንዘለው ዘተባብዕ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለዎም።

ክኸውን ዝነበሮ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ክህሊ ሓደ ዓይነት ኣጠማምታ ዘለወን ሃገራት እቲ ከባቢን ማሕበረሰብ ዓለምን ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ወገናት ከምድላዮም ክጥቀምሉ ዘኽእሎም ኩነታት ከይህሊ ሕብረት ክፈጥሩ ይግባእ ከምዝነበረን ከምኡ ስለዘይኮነ ግን ከምዚ ናይ ኣሩሻ ዝኣመስሉ ካልኦት ኣማራፂ ናይ ዝርርብ መድረኻት እናፈጠሩ ሓደ መድረኽ ኣንፃር እቲ ካሊእ ኣይምተጠቕምሉን ኢሎም።

ኣብ መንጎ ፕሬዝዳን ሳልቫ ኪርን ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሪያክ ማቻርን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ክፍተት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት እውን ተፈጢሩ ህይወት 15 ሽሕ ሰባት ዘጥፍአ ውግእ ክልዓለ ገይሩ።ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ካልኦት 4 ሚሊዮን ድማ ኣብ ናይ ሓገዝ ምግቢ ፅግዕተኛ ክኾኑ ተገዲዶም።

XS
SM
MD
LG