ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪያክ ማቻር ንኢጋድ ወቒሶም


South Sudanese rebel leader Riek Machar.
South Sudanese rebel leader Riek Machar.

ናይ ቀደም ምኽትል ፕሬዝዳንት ናይ ሎሚ ድማ መራሒ ሓይልታት ዓማፂያንን ሪያክ ማቻር ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብዘሎ ልዝብ ካልኦት ወገናት ምእታዎም ነቲ ግጭት ጠጠው ንምባል ንዝካየዱ ፃዕርታት ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ ኢሎም።ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ዝምጣየሽ ናይ ሓድነት መሰጋገሪ መንግስቲ ካልኣይ ምኽትል ፕሬዝዳንት ንክኾኑ ንዘቕረብሎም ሓሳብ ከም ዘይቕበሉ እውን ማቻር ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም።

ካልኦት ተሓዊሶምሉ ካብ ዝካየድ ልዝብ ኣብ መንጎናን መንግስትን ዝካየድ ቀጥታዊ ዝርርብ ስሉጥ ውፅእታት ከምፅእን ኣብ ስምምዕ ሰላም ክብፃሕን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሎም።

ክልቲኦን ወገናት ዝሓለፈ 10 ነሓሰ 2014 ኣ/ፈ ክራኸቡ ብዘይምኽኣሎም ኢጋድ እቲ ልዝብ ን28 ነሓሰ ኣናዊሕዎ’ሎ።ሪክ ማቻር ነቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሽለት ንኣተዓረቕቲ ኢጋድ ወቒሶም።

‘’ብውልቀይ ንቶም ሸምገልቲ እየ ዝነቅፍ’’ ዝበሉ ንሶም ኣስዒቦም ‘’ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ነቲ ልዝብ ሰላም ኣብዝተፈላለዩ እዋናት ኣቛሪፆምዎ፤ቀንዲ ሸምጋሊ ናብ ኒው ዮርክ ኣብዝተጉዓዝሉ እዋን ነቲ ልዝብ ክንቕፅለሉ ንኽእል ነይርና ኢና’’ኢሎም።

ምስ መንግስቲ ቀጥታዊ ልዝብ ንምክያድ ድልየት እንተሃለዎም እውን እቶም ኣታዓረቕቲ ወገናት ንትካላት ስቪል ማሕበረሰብ፣ተኣሲሮም ንዝነበሩ ናይ ቀደም ሰበልጣንን ሓዊሱ ካልኦት ሓሙሽተ ኣካላት ኣብቲ ናይ ጠረጴዛ ዙሪያ ዝርርብ ክካከፉ ሸምገልቲ ይደፍእሉ ኣለው ኢሎም።

ጉጅልኦም ሱር ጠንቂ እቲ ግጭት ክፍታሕ ከምዝደልን ሃገራዊ ሰራዊት፣ስርዓተ ሕግን ስቪላውን ህዝባውን ኣገልግሎታትን ክመሓየሹ ፀዊዖም ኣለው ሪያክ ማቻር።

XS
SM
MD
LG