ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማኢት ኣሻሓት ህፃናት ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ኣለው ተባሂሉ


ህፃናት ደቡብ ሱዳን
ህፃናት ደቡብ ሱዳን
ሓገዝ እንተዘይቀሪቡሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣስታት 250 ሽሕ ህፃናት ብጉድለት መግቢ ክሳቀዩ፣ዓሰርተታት ኣሻሓት ድማ ክሞቱ ከምዝኽእሉ ትካል ህፃናት ሕ/ሃ ኣጠንቂቁ።

UNICEF ኣብ መግለፂኡ፣ሃገሮም ናፃ ካብ ዝወፀትሉ ጊዜ ንዳሓር ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ንዕብየቶም ኣዝዩ ክፀልው ዝኽእል ሓደጋ ኣንፀላልይዎም‘ሎ ይብል።

ንቪኦኤ ሪኢቶ ዝሃበ ክሪስቶፍ ቦልሮክ፣ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን፣እኹል መግቢ ይረኽቡ የለውን።ካብ ሞንጎኦም 740 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ይብል፣

”ኣንፃር ፀረ-ጉድለት-ኣመጋግባ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፣ሓምሳ ሽህ ህፃናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዕድመ ክሞቱ‘ዮም።ህውከት ደቡብ ሱዳን ነቲ ፀገም የጋድዶ‘ውን‘ዩ ዘሎ” ኢሉ።

ዩኒሴፍ ወሲኹ፣ዝቀበፁ ደቡብ ሱዳናዊያን ሳዕሪን ቆፅልን ይምገቡ ጀሚሮም‘ለው ይብል።ብዘይካ‘ዚ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ተቃወምቲን ይካየድ ዘሎ ውግእ፣ህዝቢ ካብ ከባቢ ንክፈናቀልን ክስደድን ጠንቂ ኮይኑ‘ሎ ኢሉ።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ን150 ሽሕ ኣዝዮም ዝተጎድኡ ቆልዑ ንምሕብሓብ መደብ ኣሎ ዝብል ዩኒሴፍ፣ህይወት ብዙሓት ንምድሓን ዕድል ኣሎ‘ዩ ይብል።

”ክንክን ንህቦም‘ለና።ነቶም ህፃናት ዘድልዮም ህፁፅ ሓገዝ ዘብርክቱ ጉጅለታት‘ውን ኣለውና።ናይ መተሓላለፊ ፀገም ግና ኣሎ‘ዩ” ኢሉ ንሱ።

ዩኒሴፍ 38 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕፂኑ፣ዛጊድ ዝተረከቦ መጠን ገንዘብ 4.6 ሚልዮን ጥራሕ ምኳኑ‘ውን ኣብ‘ቲ ዜና ተጠቂሱ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG