ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ዙማ ኣብ ልዕሊ ወፃእተኛታት ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኮኒኖም


South Africa Imiigrant Attacks
South Africa Imiigrant Attacks

ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ወፃእተኛታት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ብትሪ ብምውጋዝ ሃገርና ነዚ ኣይትቕበሎን ኢሎም።ኣሽሓት ነበርቲ ወደባዊ ከተማ ደርባን ንልዕሊ ክልተ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ወፃእተኛታት ይፍፀሙ ዘለው መጥቓዕትታት ብምቅዋም ተሰሊፎም ኣለው።ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያን ሓዊሱ ኣፍሪካዊያን ወፃእተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ስለ እንርከብ ናይ ዓለም መንግስታት ድፍኢት ክገብሩ ኣለዎም ክብል ዘዘራረብናዮ ነባሪ ደርባን ፀዊዑሎ።

ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ ንዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ምኽንያት የብሉን፣ብፅኑዕ ንኹንኖ ምስ በሉ ፖሊስ ነቲ ህውከት ኣብ ቁፅፅር ከውዕሎን ፈፀምቱ እውን ናብ ሕጊ ክቐርቡን እዮም ኢሎም። ምስ ካብኔቶም ከምዝመኸሩ ማዕኸናት ዜና ደቡብ ኣፍሪካ ገሊፀን ኣለዋ።

‘’ፈተናታት ከምዘለውና ግልፂ እንተኾነ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣህጉርና ምፍፃሙ ተቐባልነት የብሉን።ደው ክብል ኣለዎ፤ከመይ ገይርና ነንሕድ ሕድና ክነቀታተል?’’ ምባሎም SAFM ናይ ዜና ማዕኸን ተዛሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ሓደ ኢትዮጵያዊ ሓዊሱ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ዘጥፍአን ንኣሽሓት ዘመዛበለን ኣብ ልዕሊ ወፃእተኛታት ይፍፀም ዘሎ ህውከት ብምቅዋም ኣሽሓት ሎማዕንቲ ሓሙስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣስታት 4,000 ዝኾኑ ነበርቲ፣ተምሃሮ፣ከባቢያዊ መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ‘’ዕንወት ንዘርኣዊያን’’’’ሕብረት ንኣፍሪካ’’ ዝብሉ ጭርሖታት ብምስማዕ ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው።

ካብ ከተማ ጆሃንስበርግ ውፅእ ኢሉ ፖሊስ ብወፃእተኛታት ዝውነኑ ዱዃናት ንምጥቓዕ ዝተኣኻኸቡ ፀረ-ስደተኛታት ንምብታን ናይ ጎማ ጥይትን መንብዒ ጋዝን ተጠቒሙ።

እቲ መጥቓዕቲ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ብወፃእተኛታት ብቐንድነት ድማ ብሱማሊያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ዝውነኑ መደብራት ብምጥቓዕ እዩ ጀሚሩ።እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣፍሪካዊያን ወፃእተኛታት ተጋፊሑ ብዙሓት ክርዕዱን ተስፋ ክቖርፁን ገይሩሎ።

ኣብ ከተማ ደርባን ዝነብርን ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረን ሃብቶም ደበሳይ ሓበሻ ዝውንኑዎም ናይ ንግዲ ትካላት ብበዝሒ ዝነብርሉ Wes Street ዝተብሃለ ከባቢ ብቶም ናዕበኛታት ተኸቢቡ ፖሊሳት ድማ ኣብ ምክልኻል ከምዝርከቡን ሓቢሩ።’’ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ስለ እንርከብ ናይ ዓለም መንግስትታት ድፍኢት ክገብሩ ኣለዎም’’ኢሉ።ዝርዝሩ ኣብዚ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:18 0:00

XS
SM
MD
LG