ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንሶማልያ ንክሕግዝ መፀዋዕታ ቀሪቡ


SOMALIA
SOMALIA

ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ማዕረ‘ቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሶማልያውያን ስደተኛታት ዝልግሶ ሓገዝ ንከብርክቱ ኮምሽነር ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ ተማሕፂኖም።ሰላም ሶማልያ፣ንሶማልያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ዓለም‘ውን‘ዩ ዝረብሕ ኢሎም።

ብመሰረት‘ቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኣዲሳበባ ዝተዋሃበ መግለፂ፣ኢትዮዽያ፣ ጁቡቲ፣ኬንያ፣ኡጋንዳን የመንን ንዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሶማልያዊያን ኣዕቊበን‘ለዋ።

ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኮምሽነር ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ‘ዮም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ እተን ሃገራት ዘርአየኦ ልግሲን ዝዋዓለኦ ውዕለትን ዳህሲሶም‘ለው።ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ግና ዝመጣጠን ሓገዝ ከምዘይነበረ ጠቂሶም።

ሚስተር ጉተሬዝ ወሲኾም፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ዘድሊ ሶማልያውያን ስደተኛታት ዘለዎም ፀገም ነባራይ ፍታሕ ክረክብ ምግባር‘ዩ ኢሎም።ሓደ ካብ‘ቶም ፀገማት ውሽጣዊ ኩነታት ሶማልያ ምትዕርራይ ምኳኑ ጠቂሶም፥

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ይራኣይ ዘሎ ውሽጣዊ ህድኣት ሶማልያ ዘተባብዕ‘ዩ ዝበሉ እቶም ኮምሽነር፣ኣብ ሞቃዲሾ መንግስቲ ምምስራቱ፣ምምሕዳር ምቋሙ፣ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክሳለጥ፣ሰራዊት ሶማልያ ምጥንኻሩን ምስ ዓቀብቲ ሰላም ሓባራዊ ወፍሪታት ምክያዱን ንገለ ከባቢታት ሓራ ንምውፃእ ዝገበሮ ፃዕሪ ምግባሩን መርአያ‘ቶም ኣዎንታዊ ለውጥታት‘ዮም ይብል እቲ መግለፂ።

እዞም ዝተጠቅሱ ለውጥታት፣ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዶም ዝርከቡ ሶማልያውያን ብክብሪን ብድልየቶምን ንዓዶም ንክምለሱ ሓይሊ ከምዝህቦም ይጠቅሱ ኣንቶንዮ ጉተረዝ።

ክልተ ወለዶታት ሶማልያ ብዛዕባ መፃኢ ህይወት ተስፋ ዘይብሎም‘ዮም ዝበሉ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ኣብ ካልእ ዞባታት ተመሳሳሊ ቅልውላው ክፍጠር ከሎ፣ፀገም ሶማልያ ክርሳዕ ከምዝኽእል‘ውን ጠቂሶም።

XS
SM
MD
LG