ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሓይሊ ፀሓይ ትበርር ነፋሪት ንምድሪ ክትኮላ‘ያ


SOLAR POWERED PLANE
SOLAR POWERED PLANE
ታሪኻዊት ነፋሪት ከምዝማሃዘ ዝገልፅ ስዊሳዊ ፓይለት፣ብሓይሊ ፀሓይ ትበርር ነፋሪት ሒዙ ንምድሪና ከምዝኾልል ኣፍሊጡ።

እታ ’ሶላር ኢምፐልስ ቱ’ ዝተባሃለት ነፋሪት፣ንዓመታ ንምድሪ ቅድሚ ምኹላላ፣ዝመፅእ ወርሒ ናይ ፈተነ በረራ ክተሳልጥ‘ያ።

እታ ነፋሪት ማዕረ ጃምቦ ጀት ነፋሪት መንገደኛታት ክንፊ ኣለዋ፣ርዝነታ ግና ማዕረ ዓባይ ናይ ፅዕነት መኪና‘ያ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣እታ ነፋሪት ዓብዪ መአከቢ ነዳዲ ዘይቲ ዘይኮነስ፣17 ሽሕ ሶላር ሴልስ ተጠቂማ ካብ ፀሓይ ንዝምንጩ ሓይሊ ክተጠራቅምን‘ዩ ተወጢኑ ዘሎ።

ፓይለት ኣንድሬ ቦርስበርግ፣ንምድሪ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ለይቲን መዓልቲን ክኾላ መዲቡ‘ሎ።እንተኾነ ’ሶላር ኢምፐልስ ቱ’ ኣብ ሰማይ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ክትፀንሕ ተኽእሎ ኣለዋ ይብል ንሱ።
XS
SM
MD
LG