ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቋንቋን ስነ ጽሑፍን ቋንቋ ሳሆ ንምዕቃብ ይፃዓር’ሎ


መጻሕፍቲ ሳሆ
መጻሕፍቲ ሳሆ

እተን መጽሓፍቲ ኣብ ምዕቃብ ያታን ስነቃልን ቋንቋ ሳሆ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልወን እውን ይእመን

ቋንቋን ስነ ጽሑፍን ቋንቋ ሳሆ ንምዕቃብ ይፃዓር’ሎ

"ዋዓግ-ማኮን" "ዪቢ~ሮህ ጺሞ~ኮ’ ዋ~ኒሳም ሊዮ ባጎ~ኮ’ ን" ዝበሃላ መጽሓፍቲ ተሓቲመን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ብሄረሰብ ኢሮብ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ሳሆ ካብ ቅድሚ 6 ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ።

ባህልን ቋንቋን እቲ ማሕበረሰብ ንምዕቃብ ዛጊድ ብመልክዕ ጽሑፍ ዝተሰነዱ መጽሓፍቲ ውሑዳት` ኳ እንተኾኑ፡ ነቲ ፀገም ንምቅላል ካብ ዝካየዱ ጻዕራታት ሓደ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክልተ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ክልተ መጽሓፍቲ ምሕታሞም`ዩ

ብፍላይ ኣብ ስነቃል ብሄረሰብ ኢሮብ ዛጊድ ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ዘበርከቱ ብሕታዊ ፀሓፊ መምህር በርሀ ዝግታይ ይበሃሉ።

ነዚ ፀገም እዚ ንምቅላል ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ክልተ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ክልተ መጽሓፍቲ ኣሐቲሞም ኣለዉ። መምህር ኣመሃ ዮሃንስን ፀሓፍን ድምፃውን ኣድሓኖም ገብራይን ይበሃሉ።

እተን መጽሓፍቲ ኣብ ምዕቃብ ያታን ስነቃልን ቋንቋ ሳሆ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልወን እውን ይእመን።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:17:38 0:00

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG