ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት መገሻ ክፍፅሙ'ዮም


ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣26ን 27ን ሓምለ 2015 ኣውሮጳዊያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት መገሻ ከምዝፍፅሙ ተገሊፁ።

ብመሰረት መግለፂ ዋይት ሃውስ (ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት) ፕረዚደንት ኦባማ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ምስ ሰበ-ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃን ተራኺቦም፣ኣብ ልዕሊ ክልተኣዊ ኣጀንዳታት ክዘራረቡ’ዮም።

ሓደ ኣሜሪካዊ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ከሎ፣ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መገሻ ንክፍፅም ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ታሪኽ እቶም ቀዳማይ ኮይኖም ኣለው።

ጉጅለታት ተሓለቅቲ መሰላትን ተቃወምቲ ኢትዮጵያን ግና ንመገሻ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ብጠንቂ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይራኣይ ኣሎ ዝብልዎ መግሃስቲ መሰላትን ዲሞክራሲያዊ ሃዋሁን ይቃወሙ።

XS
SM
MD
LG