ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ንዞባ ትሑት መነባብሮ ዝንጽል ዘይፍትሓዊ ስርዓት ከተማ ናይሮቢ ይነቕፉ


ርእሰ-ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ሎሚ ንዞባ ትሑት መነባብሮ ናይሮቢ ብምብጻሕ ናይ ኬንያ ዑደቶም ዛዚሞም ኡጋንዳ አትዮም። ሊቃነ-ጳጳስ ፍራንሰስ ንኩነታት መነባብሮን አብ ከተማታት ናይሮቢ ዝረአ ድኽነትን ብምንቓፍ ‘ዘይፍትሓዊነት’ዩ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ነዚ ኩነታት ተሓተቲ ድማ እቶም ዉሑዳት ሰብ-ስልጣንን ሰብ-ሃብቲን’ዮም ኢሎም።

ሊቃነ-ጳጳስ ፍራንሰስ አብ ዞባ ትሑት መነባብሮ ካንገሚ-ናይሮቢ ዘካየድዎ ምብጻሕ ‘ኣነ ሎሚ አብዚ አለኹ ምኽንያቱ ክትፈልጥዎ ዝደለኹ ሓጎስኩም፡ሓዘንኩም፡ተስፋኹም ኮነ ሽግርኩም ካብቲ ናተይ ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ሎሚ ትሓልፍዊ ዘለኹም ጸገማት ይርድአኒ’ዩ ስለዚ ከመይ ነዚ ዘይፍትሃዊነት ዘይነቅፍ?’ኢሎም።

ብተወሳኺ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳ ፍራንሰስ ናብ ኢንተቤ-ኡጋንዳ ይበሩ ኣብዝነበርሉ እዋን ኡጋንዳ ንስደተኛታት አብ ምቕባላ ዘርኣየቶ ዓብዪ ግብረ መልሲ ንኢዶም።

‘ኣብዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኡጋንዳ ብልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ብምቕባልን ህይወቶም ብኽብሪ ንክመርሑ ምትሕግጋዝ ኣርእያ’ላ።’’ኢሎም እቶም ርእሰ-ጳጳስ ብተወሳኺ ንሶም ስደተኛታት ንሕዘሉ መንገዲ ንሰብኣዊነት ዝፍትን እዩ ኢሎም።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ኡጋንዳ መብዛሕቲኦም ግጭትን ህውከትን ካብ ዘይተፈለየን ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰደዱ ልዕሊ 500 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ተአንግድ'ላ።

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ድሕሪ ናይ ኡጋንዳ ምብጻሕ ናይ ሪፓብሊክ ማእከላይ አፊርቃ ከምርሑ'ዮም ብኡ ድማ አብ አፍሪቃ ዘካይድዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ዑደቶም ክዛዝሙ'ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።


XS
SM
MD
LG